Fana: At a Speed of Life!

ኣትሌት ኣባብል የሻነህ ክብረ ወሰን ዓለም ፍርቂ ማራቶን ሰይራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ሕቡራት ኢሚሬታት ዓረብ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ራስ ኣል ቃይማህ ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ኣባብል የሻነህ ክብረ ወሰን ዓለም ብምስባር ተዓዊታ።

እታ ጓል 28 ዓመት ኣትሌት፥ ብ 1 ሰዓት 4 ደቒቕን 31 ካልኢትን ብምእታው እያ ነቲ ክብረ ወሰን ክትሰብሮ ክኢላ።

ኣትሌት ኣባብል፥ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2017 ኬንያዊት አትሌት ጆይስሊን ጄፕኮስጊ ኣብ ቫሌንሲያ ዝሓዘቶ ክብረወሰን ብ20 ካልኢት ብምምሕያሽ ኢያ ክትዕወት ክኢላ።

ብደቂ ተባዕትዮ ኣብ ዝተካየደ ውድድር ድማ ኣትሌት ሙሌ ዋስይሁን ብ59 ደቒቕን 47 ካልኢትን ብምእታው ሳልሳይ ደረጃ ሒዙ ውድድሩ ዛዚሙ።

ነቲ ውድድር ኬንያውያን ኣትሌታት ኪብዎት ካንዲይን ኣሌክሳንደር ሙቲሱን ቀዳማይም ካልኣይ ኮይኖም ምዝዛሞም ሓበሬታ ኣትሌቲክስ ኣፍሪካ ዩናይትድ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.