Fana: At a Speed of Life!

ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ብ10 ሺሕ ሜትሮ ርሕቐት ቅልጡፍ ሰዓት ብምምዝጋብ ተዓዊታ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 2 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ ) ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ኣብ ፈላማይ 10 ሺሕ ሜትሮ ርሕቐት ተሳትፎኣ ቅልጡፍ ሰዓት ብምምዝጋብ ተዓዊታ።

ኣብ ፖርቱጋል ዝተኻየደ ውድድር ጉያ 10 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ ፌርናንዳ ሪቤይሮ ጎልድ፥ ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ኣብ ፈላማይ ተሳትፎኣ 29 ደቒቕ 39 ሰኮንድን 42 ማይክሮ ሰከንድን ብዝኾነ ሰዓት ኢያ ተዓዋቲት ኮይና፡፡

እቲ ዝተዓወተትሉ ሰዓት ኣትሌት ኣልማዝ ኣያና ኣብ ሪዮ ኦሎምፒክ ካብ ዘመዝገበቶ ክብረወሰን ዓለም ዝኾነ 29 ደቒቕ 17 ሰኮንድን 45 ማይክሮ ሰከንድን ብምቕፃል ኣብ ኢትዮጵያ ካልኣይ ቅልጡፍ ክብረቀሰን እቲ ርሕቐት ከምዝኾነ ካብ ፎዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.