Fana: At a Speed of Life!

ኣውሮፕላን ዩክሬን ተወቒዓ  እንትትወድቕ ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ዝቐረፀ ውልቀ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 06 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢራን ወቒዓ ንዘውደቐታ ኣውሮፕላን ዩክሬን ተወቒዓ  እንትትወድቕ ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ዝቐረፀ ውልቀ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓለ ተገሊፁ።

ሓይሊ ድሕንነት ብሄራዊ ሓላዊ ዘብዒ ኢራን ነቲ ግለሰብ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅረ ዘውዐሎ እንትኸውን፥ ምስ ብሄራዊ ድሕንነት ዝተትሓሓዘ ክሲ ክምስረተሉ ከምዝኽእል ይግለፅ ኣሎ።

ናብሩኡ ለንደን ዝገበረ ኢራናዊ ጋዜጠኛ ድማ “ሰበ ስልጣን ኢራን ዝተሰሓሓተ ውልቀ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ኣውዒሎም” ክብል ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ትዊተር ገፁ ፅሒፉ።

ኢራን ምስ እቲ ጉዳይ ብዝተትሓሓዘ ክሳብ ሎሚ ዕለት ናብ 30 ዝፅግዑ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ኣውዒላ ኣላ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 176 ሰባት ኣሳፊራ ኣናተጉዓዘት ዝነበረት ኣውሮፕላን ዩክሬን ተወቒዓ ምውዳቓ ይዝከር።

ኣብቲ እዋን ዝተፈላለያ ምዕራባውያን ሃገራት እታ ኣውሮፕላን ተወቒዓ ከምዝወደቐት ዝገለፃ እንትኾና፥ ኢራን ብግደኣ ሓሶት ከምዝኾነ ገሊፃ ነይራ።

ይኹን እመበር እታ ኣውሮፕላን ተወቒዓ እንትትወድቕ ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ኣብ ዝተፈላለዩ ገፃት ማሕበራዊ ሚዲያ ምጥቅዑ ስዒቡ፥ ኢራን “ብስሕተት” ወቒዓ ከምዘውደቐታ ክትኣምን ክኢላ ኢያ።

ብምኽንያት እዚ ድማ ዜጋታት እታ ሃገር ኣ ልዕሊ መንግሰቶም ተቓውሞ እናስምዑ ይርከቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.