Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ሃይለማርያም ደሳለይ ምሰ ፕሬዚዳንት ደቡብ ሱዳን ሳልባኪር ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢን ፍሉይ ልኡኽ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይን ኣይተ ሃይለማርያም ምሰ ፕሬዚዳንት ደቡብ ሱዳን ሳልባኪር ማያርዲት ተዛቲዮም።

እቲ ዘተ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ከምኡ እው ሓበራዊ ፕሮጀክት ልምዓት ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን ክቕፅል ኣብ ዝኽእለሉ ጉዳያት ዘተኮረ ከምዝነበረ ቤት ፅሕፈት ፕሬዚዳንት ደቡብ ሱዳን ዘውፀኦ ሓበሬታ የረድእ።

ሚኒስትር ምትሕብባርን ጉዳያት ወፃኢን ደቡብ ሱዳን ቢያትሪስ ካህሚሳ ዋኒ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ ኣብ እዋን እቲ ዘተ ኣይተ ሃይለማርያም ደሳለኝ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ዝምልከት መብርሂ ንፕሬዚዳንት ሳልባኪር ከምዘሃቡዎምን ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ዝተረጋገአ ከምዝኾነ ገሊፆምሎም ኢሎም።

ፕሬዚዳንት ሳልባኪር እውን ሓበራዊ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪካን ሓበራዊ ፕሮጀክታት ልምዓት ደቡብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ብላዕለዋይነት ክመርሑን ክከታተሉን ንሚኒስትር ፕሬዚዳንታዊ ጉዳያት እታ ሃገር፣ ንሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ዓለም ለኸ ምትሕብባርን ከምኡ እውን ንኣመሓዳሪ ግዝኣት ጆንግሊ ሓላፍነት ከምዘሃቡዎም ኣፍሊጦም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ሰላምን ምርግጋእን ምዕሳሉ ዝገለፁ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ዓለም ለኸ ምትሕብባርን ቢያስትሪስ ካህሚስ ዋኒ፥ “ስለዝኾነ ድማ ብሓባር ንልምዓት ዝስረሐሉ ትኽክለኛ እዋን ኢዩ” ኢሎም።

ኣይተ ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣብቲ እዋን ዘተ ከምዝበሉዎ፥ ኣብ ምትእስሳር ንግዲ፣ መሰረተ ልምዓትም ኢኮኖሚን ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ብውልቆም ብቕርበት ከምዝሰርሑ ምግላፆም እውን እቶም ሚኒስትር ተዛሪቦም።

ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን ዘሎ ክልተኣዊ ርክብ ክብ ንምባል ከምዝሰርሑ እውን ኣረጋጊፆም ኢዮም ኢሎም።

ፕሬዚዳንት ሳልባኪር ደቡብ ሱዳን ዝተረጋግአት ንኽትከውን ዘርአዩዎ ኣመራርሓ፥ ኣይተ ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣድናቖቶም ምግላፆም እቶም ሚኒስትር ኣብ መግለፂኦም ኣብሪሆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.