Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ መላኩ ኣለበል ምስ ኣመራርሓ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ኢንዱስትሪ ኣይተ መላኩ ኣለበል ምስ ምክትል ዳይሬክተር ጀነራል ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ኣብዱል ካማራ ተዛቲዮም።

እቶም መራሕቲ ፖሊሲ ኣፍረይቲ ኢንዲስትሪ ካብ ምስንዳእ ጀሚሩ ኣብ እዋን ኮቪድ ኤክስፖርት ክቕፅል ንምግባርን ዝተዋደዱ ልምዓት ፓርክ ኣግሮ ኢንዱስትሪን ዝተተሓሓዙ ሓገዛት ኣመልኪቶም ኢዮም ተዛቲዮም።

ኣብ ቀፃሊ ድማ እቲ ፖሊሲ ኢንዱስትሪ ናብ ስራሕ ንምእታው ከምኡ እውን ፓርክታት ውጽኢታዊ ንምግባር ዘድልዩ ምትእስሳር ፍርያት፣ ፋይናንስን ዝተፈላለዩ ስራሕቲን ክፋለጡ ኣብ ምግባር ብሓባር ንምስራሕ ኣብ ስምምዕነት በፂሖም።

እቶም ሚኒስትር÷ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ስራሕቲ እቲ ሚኒስቴር ንምቅልጣፍ እናገበሮ ንዝርከብ ሓገዝ ምስክር ወረቐት ምስጋና ምብርካቶም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብና ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.