Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ስዩም መስፍን ፣ ኣይተ ኣስመላሽ ወልደስላሴኔን ኣይተ ኣባይ ፀሃዬን ተደምሲሶም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 ጥሪ ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ) ኣይተ ስዩም መስፍን ፣ ኣይተ ኣስመላሽ ወልደስላሴኔን ኣይተ ኣባይ ፀሃዬን ሓዊሱ ኣመራርሓታት ጁንታ ተደምሲሶም።

ሓላፊ መምርሒ ምውፋር ሰራዊት መክልኻል ብርጋዴር ጀነራልተስፋየ ኣያሌው፥ ጅግና ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ካልኦት ትካላት ፀፅታ ፌዴራልን ሎሚ እውን ብዓወት ዝተዓጀበ ዘደንቕ ውፅኢት እናመዝገቡ ምዃኖም ንግዜኢ ገሊፆም።

ሕዚ እውን አመራርሓታት እቲ ጁንታ ናብ ዘኣተዉዎ እናኣተወ ናይ ምህዳን ስርሑ ይቕፅል ኣሎ ኢሎም።

ኣመራርሓ እቲ ጁንታ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ መወዳእታ ኣብ መቐለ ኣብ ዝትየደ ወፍሪን ድምሰሳን እዋን ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ኢድ ንክህቡ እንተተለመኑ እውን ብትዕቢት ተወጢሮም እምቢ ብምባል ናብ ጫካ ምእታዎም ብርጋዴል ጀነራል ተስፋዬ ኣዘኻኺሮም።

ብተወሳኺ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዓበይቲ ዓዲ ብምልኣኽ ኢዶም ንክህቡ፣ ዕጥቂ ንክፈትሑን ጉዳዮም ብሕጊ ንክረአን እንተተሓተቱ እውን እምብልና ምባሎም ተዛሪቦም።

ስለዝኾነ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተገበረ ተፍትሽ ኣብ ተከዘ እቶም ቀንዲ ኣመራርሓ እቲ ጁንታ ምስ ሓለወኦም ኣብዝነበረ ተኹሲ ምስ ሓለውቶምን ወታደራዊ ኣመራርሕኦምን ከምዝተደምሰሱ ገሊፆም።

ብመሰረት እዚ ኣብ ዝነበረ ውግእ ምስ ዓጀብቶም ዝተደምሰሱ ኣመራርሓታት እቲ ጁንታ፦

1. ኣይተ ስዩም መስፍን፣ ነበር ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢን ነቲ ውግእ ዝመርሑን፣

2. ኣይተ ኣስመላሽ ወልደስላሴ፣ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ፖለቲካ እቲ ጁንታ ዝነበሩ

3. ኣባይ ፀሃዬ፣ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ፖለቲካ እቲ ጁንታ ዝነበሩ

4. ኮሎኔል ኪሮስ ሓጎስ ካብ ሰራዊት ምክልኻል ዝኸድዑ ምስ ዓጀብቶም ተደምሲሶም።

ብኻሊእ መዳይ ኣብ ቁፅፅር ዝወዓኣሉ ወታደራዊን ኣመራርሓ እቲ ክልልን ድማ

1. ኮሎኔል ገብረመስቀል ገብረ ኪዳን፣ ካብ መከላከያ ዝኸድዐ

2. ኮሎኔል ፍስሃ ብርሃኔ፣ ካብ መከላከያ ዝኸድዐ

3. ኮሎኔል ዘረአብሩክ ታደሰ፣ ካብ መከላከያ ዝኸድዐ

4. ኮማንደር ገብረኪዳን ኣስገዶም ኣዛዚ ክፍለ ሰራዊት ፍሉይ ሓይሊ ዝነበረ

5. ኣይተ መብራህቶም ክንዴ ሀይሉ፣ ሓላፊ ፋይናንስ ትካል ስራሕቲ ማይ እቲ ክልል ኣብ ቁፅፅር ውዒሎም ኣለዉ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.