Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ተወልደ ገብረማርያም ኣብ 2021 ክኽተሉዎም ካብ ውሽጢ ዝግብኡ 14 ዋና ፈፀምቲ ስራሕ መገዲ ኣየራት ተኻቲቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ዋና ፈፃሚ ስራሕ ግሩፕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣይተ ተወልደ ገብረማርያም ኣብ 2021 ክኽተሉዎም ካብ ውሽጢ ዝግብኡ 14 ዋና ፈፀምቲ ስራሕ መገዲ ኣየራት ተኻቲቶም።

እቲ መገዲ ኣየር ናብ ኣህጉር ኣፍሪካን ካልኦት ክፋላት ዓለምን ሰብኣዊን መድሕን ህይወት ሓገዛትን እናብፀሐ ይርከብ፥።

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብዘደንቕ ኩነታት ልዑል ዕቤት ብምርኣይ ኣቑሑት ብምጉዕዓዝ(ካርጎ) ብብርኪ ዓለም ለኸ ደረጃ ኣብ 7ይ ደረጃ ከምዝተቐመጠ ሴንተር ኦፍ ኣቢየሽን ኣብ ወርሒ ጥሪ ምፍላጡ ይዝከር፡፡

ኣብ ወርሒ ሕዳር ድማ ሽልማት ብሉፅ መገዲ ኣየር 10 ዓመት ኣፍሪካ ተዓዋቲ ኮይኑ ኢዩ፡፡

እቲ መገዲ ኣየር ኣብዚ ኣፀጋሚ እዋን ዘመዝገቦ ከስቢ እውን ዕዉት ጉዕዙኡ ዘርኣየሉ እዋን ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ነዚ ስዒቡ ድማ እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኣብ 2021 ትፅት ካብ ዝግበረሎም 14 ዋና ፈፀምቲ ስራሕ መገዲ ኣየራት ክካተቱ ክኢሎም ተባሂሉ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.