Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ጃዋር መሓመድን ኣይተ በቀለ ገርባን ንኽራኸቡ ዘቕረቡዎ ስምዕታ ስዒቡ እቲ ኣፈፃፅማ ንምርኣይ ብመሰረት ዝተውሃበ ቆፀሮ ሎሚ መዓልቲ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣይተ ጃዋር መሓመድን ኣይተ በቀለ ገርባን ንኽራኸቡ ዘቕረቡዎ ስምዕታ ስዒቡ እቲ ኣፈፃፅማ ንምርኣይ ብመሰረት ዝተውሃበ ቆፀሮ ሎሚ መዓልቲ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም

ተወካሊ ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል እውን እቲ ትእዛዝ ከምዝተፈፀመ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም መብርሂ ሂቦም።

ኣይተ ጃዋር መሓመድን ኣይተ በቀለ ገርባን ብግደኦም እቲ ትእዛዝ ከምዝተፈፀመሎም ገሊፆም።

ጠበቓታት ሃምዛ ኣዳነ (ቦረና)ን ኣይተ ሸምሰዲን ጠሃን ዓማዊሎም ን30 ደቒቓ ዘኣክል ጥራሕ ኣየር እናረኸቡ ከምዝኾኑ ንመጋባኣያ ብምግላፅ፤ ልዕሊ 30 ደቕቕ ብርሃን ፀሓይን ኣየርን ንኽረኽቡ ትእዛዝ ንኽወሃብ ሓቲቶም።

ቀዳማይ ብርኪ ቤት ፍርዲ ታረኛ መጋባእያ ምድብ ኣራዳ እዋን ቆፀሮ እውን እኹል ኣየርን ብርሃን ፀሓይን ንኽረኽቡ ትእዛዝ ሂቡ።

ብታሪኽ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.