Fana: At a Speed of Life!

ኣግባብ ዘይኮኑ ምስሊታት ዘይቐርፅ ዘበናዊ ሰልኪ ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣግባብ ዘይኮኑ ምስሊታት ንምልዓል ዘይፈቅድ ዘበናዊ ስማርት ሰልኪ ዕላዊ ኮይኑ።

“ቶን ኢ 20” ዝብል ሽም ዝተውሃቦ እቲ ዘበናዊ ስልኪ፥ ቶን ሞባይል ብዝተብሃለ ኩባኒያ ጃፓን ከምዝተምሃዘ ተገሊፁ።

አቲ ስልኪ፥ ዓማዊል ብዝኾነ ይኹን መለክዒ ኣግባብ ዘይኮኑን ተቐባሊነት ዘይብሎምን ምስሊታት ንኽቐርፁ ፍቓድ ኣይህብን ተባሂሉ።

ብመሰረት እዚ ተገልጋላይ ናይቲ ስማርት ስልኪ፥ ናይ ባዕሉ ይኹን ናይ ካልኦት ሰባት ጥራሕ ዝባን ምስሊን ኣግባብ ዘይኮኑ ተመሳሳሊ ምስልታትን ከልዕል ኣይኽእልን።

እዚ ድማ እቲ ስልኪ ብብርኪ ዓለም ኣግባብ ዘይኮኑ ምስሊታት ንምውሳድ ፍቓድ ዘይህብ ፈላማይ ዘበናዊ ስማርት ስልኪ ክኸውን ገይሩዎ ኣሎ።

እቲ ስልኪ ካብዚ ብተወሳኺ ኣግባብ ዘይኮኑ ምስሊታት ኢንተርኔት ብምጥቃም ካብ ጉግልን ካልኦት ገፃትን ንምውራድ ዘይፈቅድ ምዃኑ እውን ተገሊፁ።

ፍልፍል፦ ኦዲቲ ሴንትራል

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.