Fana: At a Speed of Life!

ኣፈፃፅማ ስራሕ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዝተረኸቡሉ ተገምጊሙ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 18 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣፈፃፅማ ስራሕ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዝተረኸቡሉ ተገምጊሙ።

እቲ ገምጋም ብመንፅር ኣብታ ከተማ ዝተቐመጠ ሽቶ ዝተቓነዩ ከምዝኾኑ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣፍሊጦም፡፡

ምክረትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ፥ ኣፈፃፅማ ስራሕ እቲ ምምሕዳር ከተማ ኣቕሪበን፡፡

ኣብቲ እዋን ድማ ኣብ 632 ቦታታት ልዕሊ 1 ሺሕን 338 ሄክታር መሬት ብዘይሕጋዊ መገዲ ከምዝተትሓዘ ብምፅራሕ፥ 322 ወናኒ ዘይብሎም ኣባይቲን ህንፃታትን ከምዘለዉ ገሊፀን።

ጉዳይ ናይ ሓባር መንበሪ ኣባይቲ ብዩኒቨርሲቲ ኮተቬ ኣቢሉ ክፅናዕ ከምዝተገበረ ዝገለፃ እተን ምክትል ከንቲባ፥ በቲ መፅናዕቲ ድማ 21 ሺሕን 695 መረዳእታ ምቕራብ ዘይከኣሉ፣ ባዶን ተዓፂዮም ዝተረኸቡ፣ ብዘይሕጋዊ መገዲ ዝተትሓዙ ኣባይቲ ከምዝተፈለዩ ኣብሪሀን፡፡

ኣብ ልዕሊ 177 ሺሕን 730 ሰብ ዋና ኣባይቲ ካብ ሞንጎ ዝተኣከበ ሓበሬታ ኣብ 132 ሺሕን 678 ኣባይቲ ኣፈላላይ ሽም ከምዘሎ እውን ገሊፀን፡፡

10 ሺሕን 565 ዘይሕጋዊ ናይ መንግስቲ ኣባይቲ ከምዘለዉን 4 ሺሕን 76 ዘይሕጋዊ ኣባይቲ ንግዲ መንግስቲ ከምዝተረኸቡን ተረጋጊፁ ኢዩ ኢለን።

ልዕሊ 1 ሺሕ ሄክታር መሬት ብምፅራይ ናብ ባንኪ መሬት ንኸኣቱ ከምዝተገበረ ዝተሓበረ እንትኸውን፥ ወናኒ ዘይብሎም ህንፃታት ድማ እቲ ከተማ ምምሕዳር ተረኪቡ ብግልፂ ጨረታ ክሽየጥ ብምግባር ኣታዊኡ ናብ ልምዓት ሰንኽዕል ተወሲኑ ኢዩ ኢሎም።

ውፅኢት እቲ ዝተገበረ መፅናዕቲ መበገሲ ብምግባር ናይ ምርግጋፅ ስራሕቲ ብምስራሕ በዚ ከይዲ ሓሊፎም ናፃ ዝኾኑ ገዛውቲ ን1997 ተመዝገብቲ ብዕፃ ንምትሕልላፍ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣገንዚበን፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.