Fana: At a Speed of Life!

ኤለን መስክ ካርቦን ክኽዝን ዝኽእል ቴክኖሎጂ ንዘቕረበ ኣካል 100 ሚሊየን ዶላር ሽልማት ኣሰናዲኡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥሪ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ደቡብ ኣፍሪካ ኣሜሪካዊ ቢሊየነር ኤለን መስክ ካርቦን ብምኽዛን ወይ እውን ብመሓዝ ጉድኣት ከባቢ ኣየር ክንኪ ዝኽእል ቴክኖሎጂ ንዘቕረበ ኣካል 100 ሚሊየን ዶላር ሽልማት ኣሰናዲኡ።

ስፔስ ኤክስን ብሓይሊ ፀሓይ ዝሰርሓ ተሸከርከርቲ ዘፍሪዩ ትካላት ኩባኒያ ቴስላ ዝመስረተ ኤለን መስክ፥ ኣብ ዓለም 185 ቢሊየን ዶላር ብመሓዝ ቀዳናይ በዓል ሃፍቲ ዓለም ኢዩ።

ኤለን መስክ ኣብ ትዊተር ገፁ ከምዝገለፆ፥ ካርበን ክሕዝ ዝኽእል ፅቡቕ ቴክኖሎጂ ንዘቕረበ 100 ሚሊየን ዶላር ከምዘበርክት ኢዩ።

ካርበን ምኽዛን ማለት ካርበን ካብ ፍልለፍሉ ብመሓዝን ብምኽዛንን ኣብ ውሽጡ ዘሎ ከባቢ ኣየር ዝጎድእ ጋዝ ምውጋድ ማለት ከምዝኾነ ሓበሬታታት ይሕብሩ።

ኣብ ዓለም፥ ዝተፈላለዩ ኩባኒያታት ቴክኖሎጂን ቅልቀ ሰባትን ቅድሚ ሕዚ ካርበን ዝሕዝ ቴክኖሎጂ ንምስራሕ ፃዕሪ እናገበሩ ይርከቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.