Fana: At a Speed of Life!

ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ጃፓን ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳያት ኣድሂቡ ምስ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ተዛትዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ጃፓን ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳያት ኣድሂቡ ምስ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ተዛትዩ።

ነቲ ዘተ ዝመርሑ ኣምባሳደር ካሳ ተክለብርሃን፥ መንግስቲ ኣብ ክልል ትግራይ እናካየዶ ዝርከብ ወፍሪ ሕገ-መንግስቲን ሕገ-መንግስታዊ ስርዓቱን ምሕላው፣ ገበነኛታት ናብ ሕጊ ንምቕራብ ከምኡ እውን ዕጥቂ ምፍታሕን ኣብ ሓፂር እዋን ንምዝዛም ተሓሲቡ ዝውሰድ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

መንግስቲ ብህወሓት እናተፈፀሙ ዝነበሩ ተደጋጋሚ ጥሕሰታት ሕገ-መንግስቲ ብትዕግስቲን ብሰላምን ንምፍታሕ ፃዕሪ ይግበር እምበር ሉኣላዊነት ሃገር ብምድፋር ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል እዚ ሰሜን ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ግን ስጉምቲ ንምውሳድ ከምዝተገደደ ገሊፆም።

እቲ ወፍሪ እንትዛዘም ከምኡ እውን ናፃ ኣብ ዝወፅኣ ከባቢታት ግዚያዊ ምምሕር ተጣይሹ ህዝቢ መሊሱ እግሪ ንኽተክልን ንምሕጋዝን ምድላው ከምዝተዛዘመ ዝገለፁ እቶም ኣምባሳደር፥ ናብ ሱዳን ዝተሰደዱ መሊስካ ንምቕባል እናተሰርሐ ከምዝኾነ ምግላፆም እውን ካብቲ ኤምባሲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብ ጃፓን ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ትኽክለኛ ሓበሬታ ንሚዲያታት ጃፓንን ጃፓናውያንን ንኸብፅሑን መሊስካ ንምጥያሽ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ብገንዘብን ብዓይነትን ኣስተዋፅኦ ንኽገብሩ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ብወገን መንግስቲ ድማ ተኸታታሊን ተኣማኒን ተበፃሒን ሓበሬታታት ንኽወሃቡ፣ ከይዲ ምኽባር ሕጊ ብቕልጡፍ ንኽዛዘም፣ ንፁሃን ዜጋታት ከይጉድኡ ጥንቃቐ ክግበር ከምዝግባእን ኣብ ዘላቒ ሰላምን መሊስካ ኣብ ምጥያሽን ትኹረት ተገይሩ ክስራሕ ኣለዎ ዝብሉ ሓሳባት ብተሳተፍቲ ቀሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.