Fana: At a Speed of Life!

ኤጀንሲ ኣቕራቢ መድሓኒት ኢትዮጵያ ዘህነፆ መኽዚን መዝሐሊ መድሓኒት ኣመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኤጀንሲ ኣቕራቢ መድሓኒት ኢትዮጵያ ዘህነፆ ሰንሰለት መኽዚን መዝሐሊ መድሓኒት ኣመሪቑ።

እቲ ዝተመረቐ መኽዚን መዝሐሊ መድሓኒት ሰለስተ ክፍሊታት መዝሐሊ ዘለዉዎ እንትኸውን፥ ሕድሕዶም 300 ኪዩብ ሜትሮ ናይ ምሓዝ ዓቕሚ ኣለዎም ተባሂሉ።

እቶም መኻዚን ካብ 2 ክሳብ 8 ዲግሪ ሴንቲግሬድ ዛሕሊ ዘድሊዮም እታወታት መድሓኒት ንምኽዛን ዘኽእሉ ምዃኖም ካብ ሚኒስቴር ጥዕና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ብተወሳኺ፥ ክልተ ክፍሊታት ልዑል ዛሕሊ ሕድሕዶም 100 ኪዩብ ሜትሮ ናይ መሓዝ ዓቕሚ ዘለዎምን ካብ 25 ከክሳብ 15 ዲግሪ ሴንቲግሬድ ዛሕሊ ዘድሊዮም እተወታት ሕክምና ንምኽዛን ዝሕግዙ ኢዮም።

እቶም ክፍሊታት ብሓፈሻ ልዕሊ 11 ሺሕን 4 ኪዩቢክ ሜትር ናይ መሓዝ ዓቕሚ ዘለዎምን ፀገም ምብልሻው እንተጋጥም ወይ ድማ ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ እንትቋረፅ እቶም መድሓኒታት እንተይተበላሸዉ ንኽቐመጡ ከምዝሕግዝ ተገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.