Fana: At a Speed of Life!

እስራኤል ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ ብተዓዛብነት እትሳተፈሉ ቦታ ምርካባ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 16 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)እስራኤል ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ ብተዓዛቢነት እትሳተፈሉ ቦታ ከም ዝረኸበት ሚንስቴር ጉዳያት ወፃኢ  እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ  እስራኤል ያይር ላፒድ፥ እዚ ዕለት ርክባት እስራኤል-ኣፍሪካ እንፅምብለሉ እዩ ክብል ተዛሪቡ።

እስራኤል ምስ ደገ ንዘለዋ ርክባት ኣብ ምጥንኻር ዓብዪ ትርጉም ከም ዘለዎ እውን ገሊፁ።

እቲ ዲፕሎማሲያዊ ዓወት ውፅኢት ናይቲ ብሚንስትር ወፃኢ፣ ኣፍሪካዊ ትካላትን ኣብታ ኣህጉር ዝርከቡ ኤምባሲታት እስራኤልን ክግበር ዝፀንሐ ፃዕርታት ከምዝኾነ እውን ኣብሪሁ።

እስራኤል ኣብዚ እዋን ካብ ሞንጎ’ተን 55 ኣባላት ሕብረት ኣፍሪካ ዝኾና ሃገራት ምስተን 46 ዲፕሎማሲያዊ ርክባት ኣለዋ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ከኣ ምስ ሞሮኮን ሱዳንን ዝነበራ ርክባት ክመሓየሽ ከም ዝገበረት ይፍለጥ።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.