Fana: At a Speed of Life!

እስካሁን በ70 ሺህ ግለሰቦች ላይ እንደተሞከረም ተሰምቷል፡፡

ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ደቒቕ ዓይኒ ብምርኣይ ኮቪድ19 ዝምርምር መተግበሪ ተሰሪሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መሰረቱ ኣብ ጀርመን ዝገበረ ኩባኒያ ዓይኒ ፎቶ ብምልዓል /ስካን/ብምግባር ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ደቒቕ ኮቪድ-19 ዝምርምር መተግበሪ ሞባይል /ኣፕሊኬሽን ምስርሑ ኣፍሊጡ።

እቲ ሰለስተ ደቒቕ ይወስድ ዝተብሃለ መመርመሪ 95 ሚኢታዊ ውፅኢታዊ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

እቲ መተግበሪ ብዘበነዎት ተንቀሳቐስቲ ስልኪታት ብምጥቃም ነቲ ቫይረስ ከምዘለሊ ተገሊፁ ዘሎ፡፡

ኣብ ውሽጢ ደቓይቕ ስካን ብምግባር ብሚሊየን ዝቑፀር ውፅኢት ከምዝህብ ተሓቢሩ፡፡

እዚ ድማ ከም ኩዕሾ እግሪ ዝበሊ ሰባት ብበዝሒ ኣብ ዝእከቡሎም ምድላዋት ምርመራ ንምግባር ከምዝሕግዝ እቲ ኩባኒያ ገሊፁ፡፡

እቲ መተግበሪ ኣብ ንግዲ ቦታ ዘውዕሉ ኩባኒያታት ኣብ ወርሒ 570 ዶላር ክኽፍሉ ትፅቢት ይግበረሎም፡፡

እዋኑ ብትኽክል ኣየቐመጠን እምበር ናብ ውልቀ ሰባት ንምብፃሕ ትልሚ ከምዘሓዘ እውን እቲ ኩባኒያ ኣፍሊጡ ኢዩ፡፡

ፍልፍል፦ ሬውተርስ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.