Fana: At a Speed of Life!

እዋናዊ ምዕባለታት ትግራይ ኣመልኪቱ ካቢኔ ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ገምጊሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ እዋናዊ ምዕባለታት ክልል ትግራይ ኣመልኪቱ ዘትዩ።

እቲ ብዋና ፈፃሚ ስራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዶ/ር ኣብርሃም በላይ ዝተመርሐ ኣኼባ ካቢኔ፥ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ንምምላስ ዝውገኑ ዘለዉ ስራሕቲ ፣ ተበፃሕነት ሰብኣዊ ሓገዝ ፣ ምዕባለታት ሕርሻዊ ንጥፈታት ፣ ምጅማር ምምሃር ምስትምሃርን ኩነታት ትካላት ሓለዋ ጥዕናን ኣብ ዝብሉ ዛዕባታት ኢዩ ዘትዩ።

ብተወሳኺ ኣጠቓቕማ በጀት 2013 ዓ/ም፣ መምርሒ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ትግራይ፣ ኣተሓሕዛ መረዳእታ ሓገዝ ዘድልዮም ወገናት፣ ተወዲቡ ዘሎ ማእኸላይ ኣመራርሓን ሕዚ በፂሕዎ ዘሎ ብርክን ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብዕምቆት ዘትዩ ክፀንድቁ ብምግባር ቀፀልቲ ኣንፈታት ብምቕማጥ ውዕልኡ ዛዚሙ።

ፍልፍል፦ኤመሓት

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.