Fana: At a Speed of Life!

’ኦርጅናል ታይተን ጄል ጎልድ’ ዝተብሃለ መድሓኒት ፍቓድ ከምዘይተውሃቦ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ነሓሰ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)’ኦርጅናል ታይተን ጄል ጎልድ’ ዝተብሃለ መድሓኒት ፍቓድ ከምዘይተውሃቦ በዓል መዚ ምምሕዳር ምግቢን ኣፋውስን ገሊፁ።

እቲ መድሓኒት ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ሃገር ኣትዩ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ እናተፋለጠ ብዘይሕጋዊ መገዲ እናተኸፋፈለ ከምዝርከብ ተበፂሑሉ ኣሎ ተባሂሉ፡፡

እቲ ብጄል መልክዕ ዝተሰናዲኡ ኣብ ቆርበት ብምቕባእ ንዝተወሰኑ ናይ ጥዕና ዕላማ ዝውዕል መድሓኒት ዝተብሃለ ጄል፥ ንጥረ ነገራት ቴስተስትሮን ዝርከበሉ ከምዝኾነ እውን እቲ በዓል መዚ ኣፍሊጡ፡፡

ስለዝኾነ ድማ ብትሑት መጠን ሓኪም ካብ ዝፈቐዶ ንላዕሊ ኣብ ቆርበት እንትቕባእ ልዑል መቑሰልቲን ሕበጥን፣ ፀገም ቱቦ ሽንቲ፣ ኣብ ኣወዳት ሕብጠት ጡብን ምቑሳልን፣ ቅልጡፍ ምልውዋጥ ስምዒትን ምርባሽ መንፈስን ከምኡ እውን ፀገም ጥዕና ልቢ ከምዘስዕብ ተገሊፁ፡፡

እቲ መድሓኒት ብሓኪም ጥራሕ እንትእዘዝ ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ዝግበኦ መድሓኒት ከምዝኾነ ካብቲ በዓል መዚ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ሕብረተሰብ እውን በቲ በዓል መዚ ዘይተመዝገበን ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ውሽጢ ሃገር ዘይኣተወን ስለዝኾነ፥ እቲ ፍርያት ካብ ምጥቃም ንኽዕቀብ ኣተሓሳሲቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.