Fana: At a Speed of Life!

ኩሎም ኢትዮጵያውያን ኣብ ዘዘለዉዎ ኮይኖም ንግድብ ህዳሰ ዘለዎም ድጋፍ “ድምፂና ንግድብና” ብዝብል መሪሕ ቓል ድምፆም ኣስሚዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሓምለ፣ 2012(ኤፍ ቢ ሲ)ኩሎም ኢትዮጵያውያን ኣብ ዘዘለዉዎ ኮይኖም ንዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዘለዎም ድጋፍ “ድምፂና ንግድብና” ብዝብል መሪሕ ቓል ድምፆም ኣስሚዖም።

እቶም ኣብ ውሽጢ ዓዲን ኣብ መላእ ኩርናዕ ዓለምን ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን፥ ንግድብ ህዳሰ ዘለዎም ድጋፍ ንምግላፅ ኢዮም ሎሚ መዓልቲ ካብ ሰዓት 10 ጀሚሮም ድምፆም ከስምዑ ዝኸኣሉ።

ናይዚ ኣካል ዝኾነ መርሃ ግብሪ ኣብ ሆቴል ሸራተን ኣዲስ ዝተኻየደ እንትኸውን፥ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ደመቀ መኮነንን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ኣብቲ ስነ-ስርዓት ተረኺቦም።

ብተወሳኺ ኣርቲስታት፣ ሙሁራት፣ ፖለቲከኛታት፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ተወከልቲ ክፋላት ሕብረተሰብን እውን ተሳተፍቲ ኮይኖም ኢዮም።

እቶም ተሳተፍቲ ብዝተፈላለየ መገዲ ንግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዘለዎም ናይ ሓገዝ ድምፂ ኣስሚዖም።

ሕብረተሰብ እውን ኣብ ጎደናታት ኣዲስ ኣበባ ሓጎሱ ብምግላፅ ነቲ ግድብ ዘለዎ ሓገዝ ኣርኢዩ።

ቤት ፅሕፈት ብሄራዊ ቤት ምኽሪ መተሓባበሪ ህዝባዊ ተሳትፎ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያን ሊፍት ኢትዮጵያ ዝተብሃለ ትካል ገባሪ ሰናይን ዘዳለዉዎ መርሃ ግብሪ እንትኸውን፥ ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝበፅሐሉ ብርኪ ምስጋና ንምቕራብ ተሓሲቡ ዝተዳለወ ኢዩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.