Fana: At a Speed of Life!

ኩባኒያ ምብሮ ንሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ዕጥቂ ንምቕራብ ዘኽእሎ ስምምዕነት ኣናዊሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኩባኒያ መፍረዪ ዕጥቂ ስፖርት ምብሮ ንሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ዕጥቂ ንምቕራብ ዘኽእሎ ስምምዕነት ንኣርባዕተ ዓመት ኣናዊሑ።

እቲ ኩባኒያ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 2019 ጀሚሩ ምስ ፎዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ዕላዊ ስፖንሰር ቴክኒካል ብምዃን እናሰርሐ ፀኒሑ ኢዩ።

ብመሰረት እቲ ሓዱሽ ስምምዕነት ድማ ኩባኒያ ምብሮ ንደቂ ተባዕትዮ፣ ደቂ ኣንስትዮን ሰገናትን ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ዝኸውን ናይ መፃወቲ፣ መለማመዲን ካብ ሜዳ ወፃእ ዝኽደኑዎን ሙሉእ ዕጥቂ ከቕርብ ኢዩ።

ኣባላት ቴክኒክን ምምሕዳርን እቲ ፌዴሬሽን እውን ብ ኩባኒያ ኣምብሮ ዝተዳለዉ ክዳውንቲ ከምዝኽደኑ ኣብቲ ስምምዕነት ተገሊፁ።

ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ኣይተ ኢሳይያስ ጂራ፥ ኣምብሮ ንዘሓለፉ ክልተ ዓማውቲ እናቕረቦም ንዝነበሩ ፅሬት ዘለዎም ፍርያታት ኣመስጊኖም።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ሓላፊ እቲ ኩባኒያ ዴቪድ ሪኬትስ ብግደኦም፥ እቲ ምስ ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ዝተበፅሐ ስምምዕነት እቲ ኩባኒያ ካብ ኣፍሪካ ሓሊፉ ተበፃሕነቱ ብብርኪ ዓለም ዘስፍሕ ከምዝኾነ ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.