Fana: At a Speed of Life!

ካርዲ ኤቲኤም ጎረቤት ብምስራቕ ልዕሊ ብር 580 ሺሕ ኣውፂኣ ኣብ ውልቀ ረብሓኣ ዘውዓለት ውልቀሰብ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ክፍለ ከተማ የካ ናይ ጎረረቤት ካርዲ ኤቲኤም ብምስራቕ ልዕሊ ብር 580 ሺሕ ወፃኢ ብምግባር ኣብ ውልቀ ረብሓኣ ዘውዓለት ውልቀሰብ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ብምውዓል ምርመራ ከምዝጀመረ መምርሒ ፖሊስ እቲ ክፍለ ከተማ ኣፍሊጡ።

ውለቀ ተበዳሊት ወይዘሮ ሰናይት ቦጋለን እቲ ገበን ፈፂማ ዝተብሃለት ውልቀሰብን ናይ ቀረባ ርክብን ጉርብትናን ኣለወን።

ኣብ ክፍለ ከተማ የካ ምርመራ ገበን መምርሒ ፖሊስ ከባቢ ኮተቤ ሓጋዚ ሳጅን እስጢፋኖስ ገ/ታቲዎስ ከምዝገለፁዎ፥ እታ ተጠርጣሪት ምስ ተበዳሊት ዘለዋ ቀርርብ ተጠቒማ ናብ መደቀሲ ክፍሊ ወይዘሮ ሰናይት ቦጋለ ብምእታው ኣብ ሳንዱቕ ተቐሚጡ ዝነበረ ካርዲ ኤቲኤም ባንኪ ዘመን ምስ ምስጢር ቁፅሩ ሰሪቓ ብምውሳድን ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ልዕሊ ብር 580 ሺሕ ካብቲ ባንኪ ወፃኢ ብምግባርን ንውለቀ ረብሓኣ ኣውዒላ ኢያ።

ተበዳሊት ካብ ሃገር ወፃእ ከምዝነብራ ዝገለፁ ተወካሊአን ኣይተ ወርቁ ለገሰ፥ ወይዘሮ ሰናይት እቲ ኤቲኤም ካብቲ ባንኪ ካብ ዝወስደኦ ንደሓር ተገልጊለናሉ ከምዘይፈልጣን ብዘይፈለጠኦ ኩነታት ገንዘበን ካብ ባንኪ ምውፅኡ ምስፈለጣ ንፖሊስ ከምዘመልከታን ተዛሪቦም።

ፖሊስ ካብ ባንኪ ዝረኸቦ ሓበሬታ መሰረት ብምግባር ኣብ ልዕሊ ተጠርጣሪት ምክትታል ብምግባር ኣብ ከባቢ ክፍለ ከተማ የካ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዘውዓላን ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ምርመራ እናገበረላ ከምዝኾነን ካብ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ዘረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.