Fana: At a Speed of Life!

ካቢኔ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼባ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ብምዝታይ ውሳነታት ኣመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥሪ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ካቢኔ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ትማሊ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼባ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ብምዝታይ ውሳነታት ኣመሓላሊፉ።

ብመሰረት እዚ፦

  • ማእኸል መሐገዚ ሕሙማት ልቢ ህፃናት ኢትዮጵያ ንተሓከምቲ ህፃናትን ስድረኦምን ስቓይ ንምንካይ ብናፃ እናሃቦ ዝርከብ ሰናይ ተግባር ኣገልግሎት ብዘላቕነት ንምሕጋዝ ዘሕእል ምሕረት ናፃ ዕዳ ታክሲን ካብ ግብሪ ዝርከብ ክራይ ኣታዊ ናፃ ንኽግበር ፤
  • ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከባ ኣብ ስራሕቲ ትሑት ምገባ ተምሃሮ ዝተዋፈራ ኣዴታት ናይ ሓደ ዓመት ኣታዊአን ምሕረት ዕዳ ግብሪ ንኽግበር፤
  • እቲ ከተማ ምምሕዳር ንቢሮ ኣገልግሎት ኣብ ዓመት ልዕሊ ብር 746 ኪራይ ወፃኢ ዘውፀአሎምን እቶም ቢሮታት ኣብ ዝተበታተኑ ቦታታት ስለዝኾኑን ንተገልገልቲ ልዑል ምንግልታዕን ብኽነት ገንዘብ ህዝቢን እናስዐበ ስለዝኾነ፥ ኩሎም ቢሮታት ኣኪብካ ኣብ ክልተ ክላስተር ንተገልገልቲ ምቹውን ወፃኢ ዝንኪን ፕሮጀክት ህንፀት ቢሮ ንኽጅመር ምውሳኑ ካብ ቤት ፅሕፈት ፕሬስ ሴክሬታሪያት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.