Fana: At a Speed of Life!

ካብ ህንዲ ዝመፅኡ 14 ሰብ ሞያ ኣብ ኢትዮጵያ ናፃ ግልጋሎት ሕክምና ይህቡ ኣለዉ

ኣዲስ ኣባባ፣ 5 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ካብ ህንዲ ዝመፅኡ 14 ሰብ ሞያ ካብ ዝሓለፈ ዕለተ ሰኑይ ጀሚሮም ኣብ ኢትዮጵያ ናፃ ግልጋሎት ሕክምና ይህቡ ኣለዉ።

ምክትል ግልጋሎት ሕክምና ኮሌጅ ሜዲካል ሚኒሊየም ሆስፒታል ቅዱስ ጳውሎስ ፕሮቮስት ዶክተር ሊያ ተፈራ፥ እቲ ሕክምና ኣብቲ ትካል ከምዝወሃብ ገሊፆም።

ናፃ ግልጋሎት ሕክምና ካብ ዝህቡ ዘለዉ ሰብ ሞያታት እቶም ሸሞንተ ብዝተፈላለዩ መጥባሕቲታት ንብዙሕ ዓመታት ልምዲ ዘለዎም ከምዝኾኑ እውን ተገሊፁ።

እቲ ዝወሃብ ሕክምና ብዋናነት፥ ምግቢ መተሓላለፍቲ ቱቦታት፣ ፀገም ሽንቲን ቱቦታት ሽንቲን፣ ሕማማት ማህፀን ኣብ ዝብሉ ትኹረት ዝገበረ ኢዩ ተባሂሉ።

ምስ ዓዕፅምቲን መገጣጠሚ ኣካላትን ብዝተተሓሓዘ እውን እቶም ዶክተራት ኣብ ሆስፒታል ኣብዮት ሕክምና ይህቡ ከምዘለዉ ተገሊፁ።

እቲ ሕክምናዊ መጥባሕቲ ካብ ዝሓለፈ ዕለተ ሰኑይ ዝተጀመረ እንትኸውን ክሳብ ቀፃሊ ዓርቢ ክፀንሕ ኢዩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.