Fana: At a Speed of Life!

ካብ ሚኒስቴር ምክልኻል ሃገር ዝተውሃበ መግለፂ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥቅምቲ፣ 2013(ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስቴር ምክልኻል ሃገር ፌዴሪኢ ኣብ ሃገራዊ እዋናዊ ጉዳይን ተልእኹ ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ኣድሂቡ  መግለፂ ሂቡ።

እቲ ሚኒስቴር ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፥ ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ዓንቀፅ 87 ኣብ ዝተደንገጉ ግልፂ መርህታት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣዋጅ ቁፅሪ 1100/2011 ብዝተውሃቦ ግዳጅ ዝርዝር ተልእኾታት ንምፍፃም ዘኽእሉ ደንብታትን መምርሒታትን ብምድላው ኣብ ልዕሊ ሃገርና ዘነፃፅሩ ውሽጣውን ግዳማውን መጥቃዕቲታት ብዝምልከት ልእላውነት ሃገርና ኣኽቢሩ ኢዩ ኢሉ።

ሰላም ህዝቢ እውን ኣብ ምሕላው ከምዝርከብ አገንዚቡ።

እቲ ሰራዊት “ሰላም ኣሕዋት ኣፍሪካውያን ሰላምና ኢዩ” ብዝብል መርህ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካ፥ ብተልእኾ ምዕቃብ ሳላም ተዋፊሩ ሎሚ እውን ከምልሙድ ዝተውሃቦ ግዴታ ይዋፃእ ከምዘሎ ኣዘኻኺሩ።

ብመሰረት እዚ ስግኣት ዓለም ኢሉውን ቀጠና ምብራቕ ኣፍሪካን ኢትዮጵያን ዝኾነ ግብረ ራዕዲ ንምውጋእ ዓሊሙ ኣብ ዝገበሮ ምንቅስቓስ፥ ኣብ ሶማሊያ ዝዓረደ ጉጅለ ኣልሸባብ ብምምካት ኣብ ምንጋስ ሰላም መስዋእትነት ከምዝኸፈለ ገሊፁ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ንዝረኣዩ ዘምርግጋዕ ሰላም ናብ ንቡር ንምምላስ ድማ ምስ ሓይሊታት ፀፅታ ሃገር፣ ምምሕዳር ክልላት፣ ኣቦታት ሃይማኖት፣ ዓበይቲ ዓዲን ብዋናነት ድማ ምስ ህዝቢ ብምትሕብባር ዘጋጠመ ፀገም ፀፅታ ብምቕራፍ ዘላቒ መፍትሒ ኣብ ምምፃእ ዘይሕለል ፃዕሪ ከምዝገበረን ሐዚ እውን ይሰርሕ ከምዘሎን እቲ መግለፂ ሓቢሩ።

ከምውፅኢቱ ድማ ደኺሙንን ሰልችዩንን እንተይበለ ዝተውሃቦ ግዴታታት ብምውፅኡን ዘድሊ መስዋእቲ ብምኽፋሉን እቲ ሰራዊት ኣብ ዘለዎም ከባቢታት ዘሎ ህዝቢ ልዑል ኣየር ሰላም የተንፍስን እፎይታ ይስምዖን ከምዘሎ ገሊፁ።

ህንፀት ግድብ ህዳሰ ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ካብ ወርሓዊ መሃይኡ ብምውፃእ ብቢሊየናት ዝቑፀር ገንዘብ ኣስተዋፅኦ ካብ ምግባር ብዝዘለለ ኣብ ልዕሊ እቲ ግድብ ክበፅሕ ዝኽእል ዝኾነ ይኹን ዓይነት መጥቃዕቲ ንምምካት ለይቲን ቀትሪን ዘብዒ ብምዃን ይሕሊ ኣሎ ኢሉ።

ዜጋታት ብሓደጋ ውሑጅ ንዝበፅሖም ሓደጋ ኣብ ምቕናስ፣ ደም ብምልጋስ፣ ንሓረስቶት ብዓፂድን ምምካት ዕስለ ኣንበጣን ብምሕጋዝ፣ ኮቪድ 19 ኣብ ምክልኻል፣ ዓቕሚ ንዘይብሎም ወገናት ብገንዘብ ብምድጋፍ፣ ንመኣዲ ንሃገር ዝኸውን ካብ ወርሓዊ መሃይኡ ብምውፃእ ወዘተ ንሃገር ዝኸውን ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዝገበረ እውን ሓቢሩ።

ብድምር እዚ ህዝባውነት ዘመስከረ ተግባሩ ካብ መፈለምታ ኣትሒዙ እቲ ሰራዊት ዝተሃነፀሉ መሰረታዊ ባህሪ ከምዝኾነ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብዝግባእ ከምዝፈልጥ አገንዚቡ።

ይኹን እንበር እቲ ሰራዊት ልእላውነት ሃገርን ሰላም ህዝብን ዘረጋግፅ ሕገ መንግስታዊ ተልእኹኡ ብጅግንነትን ቁርፀኝነትን ኣብ ዝዋፀአሉ ዘሎ እዋን ሰላምን ድሕንነትን ሃገር ዘይደሊዩ ጉጅለኣዊን ፖለቲካዊን ባህጊ ዘለዎም ሓይሊታት ዝተፈላለዩ ሜላታት መራኸብቲ ሓፋሽ ብምጥቃም ሽምን ዝናን ሰራዊት ብምጥፋእ ኣብ መርህን ሕጊን ዘይተደረኸ ሂስ ኣብ ምሃብ ዝርከቡ እንትኾኑ፥ እዚ ኣጀንዳ ፀረ ሰላም ሓይሊታት ብዝግባእ ብምግንዛብ  ሐዚ እውን ኣብ ዝወሃቦ ሕገ መንግስታዊ ግዴታ ጥራሕ ትኹረቱ ብምግባር ይሰርሕ ኣሎ ኢሉ እቲ ሚኒስቴር ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ።

እዋናዊ መግለፂ ቅዋም ኣብ ዝብል ርእሲ ብዝተፈላለዩ መራኸብቲ ሓፋሽ ትግራይ መግለፂ ዘውፅአ ኣካል፥ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝምልከቱ ጉዳያት ዝተኻተትሉ በዓል ሸውዓተ ነጥቢ መግለፂ ቅዋም ብምውፃእ ከምዝወዘዐ እውን ኣፍሊጡ።

ኣብቲ መግለፂ ሪጋ ቁፅሪ 1 ብመሰረት ድንጋገ ሕገ መንግስቲ ዓንቀፅ 87(5) ተግባራት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ካብ ውግንና ፖለቲካ ናፃ ብዝኾነ ኩነታት ከምዝፍፅም ዝተደንገገ መርሕ ብዝጥሕስ መልክዑ ሓይሊታት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ተዛቲዮም ካብ ዝህብዎ መፍትሒ ወፃእ “ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ተግባር ኣወዳድባ፣ ምውፋርን ቁፅፅርን ምፍፃም ኣይኽእልን” ብምባል ናይ ምክልኻል ሃገር ትካላዊ ትልሙ ከምኡውን እዋናዊን ሃገራዊን ስግኣታት ድሕንነት መበገሲ ብምግባር ግዴትኡ ንከይፍፅም ብዝግድብ ኩነታት ዝተዛብዐ ትሕዝቶ ዘለዎ መግለፂ ኣውፂኡ ኢዩ ኢሉ።

ብተወሳኺ ኣብ ሪጋ ቁፅሪ 5 እቲ መግለፂ፥ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ልእላውነት ሃገርን ድሕንነት ህዝብን ኣብ ሓደጋ ወዲቑ እናሎ ስቕ ኢሉ ከምዝረኣየን ረብሓ ዘይሕጋዊ ሓይሊታት ፖለቲካ ዝሕሉ ሓይሊ ከምዝኾነን ዝሕበር መልእኽቲ ከምዝተኻተተ ሓቢሩ።

ይኹን እንበር ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ህይወት ዜጋታት ንምድሓን ዓሊሙ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ብምውፋር ኣድላዪን ሕጋውን ስጉምቲታት ኣብ ምውሳድ ንዝሰርሖ ዘሎ ስራሕቲ ብምፅራር “ህዝቢ ይጭፍጭፍ ኣሎ” ብምባል ነቲ ምክልኻል ሓይሊ ብዘይምጥን፣ እቲ ትካል ንሃገርን ህዝብል ዝኸፈሎን ዝኸፍሎ ዘሎን መስዋእቲ ዘናእስ፣ ሃገራዊ ተልእኹኡን ዘኹርዕ ታሪኩን ዘናእስ መልእኽቲ ምዃኑ አገንዚቡ።

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ዘጋጠመ ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ምክልኻል፣ ኮቪድ 19 ኣብ ምምካት ይኹን ብሓፈሻ ኣብቲ ክልል ዘሎ ወፍሪ ምኽባር ሉእላዊነት ሃገር ንምኽባር ዓሊሙ ኣብ ዝንቀሳቐሰሉ ዘሎ እዋን ከምዚ ዝበለ ተልእኾ ሰራዊት ሃገር ዝግድብ መግለፂ ምሃብ ኣግባብነት ዝጎደሎ ተግባር ኢዩ ኢሉ።

ስለዝኾነ እቲ መግለፂ ተልእኾ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዘየገናዘበ፣ ግዴትኡ ተንቀሳቒሱ ንከይዋፃእ ዘተኣጓጉል ሃገራዊን ክልላዊን ተግባራቱ ብኣግባቡ ንከይዋፃእ ዘዐንቅፍን ሓላፍነት ዝጎደሎን ከምዝኾነ ገሊፁ።

ብመሰረት እዚ ናይቲ ሰራዊት ሓፈሻዊ ተልእኾ “ኣነ ኢየ ዝውስነልካ” ብዝብል ኣገባብ እቲ ኣካል ዝሃቦ መግለፂ፥ ገለልተኝነት እቲ ሰራዊት ዝዳፋእ፣ ግልፂ ዝኾነ ጣልቃ ኣእታውነት ፖለቲካ ዘለዎ፣ ምስ ሕገ መንግስቲ ፌዴሪኢ ብቐጥታ ዝፃረር ብምዃኑ ፍፁም ተቐባልነት ኣይብሉን ኢሉ።

 

ወፍሪን ተልእኾን ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብዝኾነ ይኹን መልክዕ ኣብ ትሕቲ ሓደ ኣካል ወይ ጉጅለ ዘይወድቕን ሕጋዊን ሕገ መንግስታዊን ብዝኾነ ኣገባብ ጥራሕ ዝምራሕን ምዃኑ ዝገለፀ ሚኒስቴር ምክልኻለ ሃገር ፌዴሪኢ፥ ነቲ መግለፂ ዘውፅአ ኣካል ስሕተቱ ብዕሊ ንክእርም ኣጥቢቕና ንሓትት ኢሉ።

ዝኾነ ይኹን ኣካል ተልእኾ ሰራዊት ብዘተዓናቕፍ ኣገባብ መግለፂ ካብ ምሃብን ዘየድሊ መልእኽቲ ካብ ምትሕልላፍን ንክቑጠብ ድማ ኣተሓሳሲቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.