Fana: At a Speed of Life!

ካብ ባንኪታት ዝወፅእ ጥረ ገንዘብ ዝግድብ መምርሒ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ተግባራዊ ክግበር ኢዩ-ብሄራዊ ባንኪ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ካብ ባንኪታት ዝወፅእ ጥረ ገንዘብ ዝግድብ መምርሒ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ተግባራዊ ከምዝግበር ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ላዕለዋይ ሓላፊ/ኣመሓዳሪ ብሄራዊ ባንኪ ዶክተር ይናገር ደሴ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ዝውውር ገንዘብ ናብ ስርዓት ብምእታው ገበንን ምሕባእ ግብሪን ብዝለዓለ ኩነታት ዝሕግዝ መምርሒ ኢዩ ኢሎም።

እቲ መምርሒ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ተግባራዊ ዝኸውን እንትኸውን፥ ንውልቀ ሰብ መዓልታዊ ክሳብ 200 ሺሕ ወርሓዊ ድማ ክሳብ 1 ሚሊየን ብር ብጥረ ገንዘብ ምውፃእ ዝፈቅድ ኢዩ።

ንኩባኒያታት እውን ኣብ መዓልቲ ክሳብ 300 ሺሕ፣ ወርሓዊ ክሳብ 2 ነጥቢ 5 ሚሊየን ብር ብጥረ ገንዘብ ምውፃእ ከምዝኽእሉ ተገሊፁ።

ካብቲ ገደብ ዝተገበረሉ መጠን ገንዘብ ንላዕሊ ንዕዳጋ ይኹን ንኻሊእ ምኽኒያታት ዝደሊዩ ውልቀ ሰባት ይኹኑ ትካላት ካብ ኣካውንት ናብ ኣካውንት ወይ ብቼክ ወይከዓ ብሲፒኦ ክፍሊት ክፍፅሙ ከምዝኽእሉ እውን ተሓቢሩ።

እቲ መምርሒ ብፍሉይ ክራኣዩ ኣብ ዘለዎም ክፍሊታት ብዝምልከት ናይ ባዕሉ ከይዲ ዘለዎ እንትኸውን፥ ክፍሊት ፍሉይ ኩነታት ብዝምልከት ንፕሬዚዳንታት ባንኪታት ስልጣን ከምዝሃቦ ተገሊፁ።

ካብቲ ዝተውሃበ ውሳነ ብምሕላፍ ክፍሊት እንተተፈፂሙ ድማ፥ በቢሰሙኑ ንብሄራዊ ባንኪ ብዝገብርዎ ፀብፃብን ክትትልን ክሓልፍ ከምዝግበር ተዛሪቦም።

እቲ መምርሒ ዝጠሓሰ ባንኪ እንትርከብ ካብቲ ዝተኸፈለ ክፍሊት 25 ሚኢታዊ ከምዝቕፃዕ ሓቢሮም።

እቲ መምርሒ ኣብ ኩለን ባንኪታትን ትካላት ፋይናንስ ኣናእሽቶይን ደቀቕትን ተግባራዊ ከምዝግበር እውን ተሓቢሩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.