Fana: At a Speed of Life!

ካብ ወፃኢ ንግዲ 400 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ኣታዊ ንምርካብ ከምዝተለመ ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ በጀት ዓመት 2013 ዓ.ም ካብ ወፃኢ ንግዲ 400 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ኣታዊ ንምርካብ ከምዝተለመ ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ኣፍሊጡ።

እቲ ኮርፖሬሽን ኣብቲ በዘት ዓመት ን45 ሺሕ ዜጋታት ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ከም ዝሰርሕ እውን ሓላፊ ምምርሒ ኮሙዩኒኬሽንን ማርኬቲንግን ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ኣይተ ደርቤ ደበሌ ተዛሪቦም።

ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ኢትዮጵያ፥ ኣብ 2017 ዓ.ም ብሉፅ ፓርክ ኢንዱስትሪ ዓለም ናይ ምዃን ራኢ ሰኒቑ እናሰርሐ ከምዝኾነ እቶም ሓላፊ ገሊፆም።

ስለዝኾነ ድማ ነቲ ዓውዲ ዝምጥን ትልሚ ቀሪፁ እናተንቀሳቐሰ ከምዝኾነን ኣብቲ ተታሒዙ ዘሎ በጀት ዓመት 36 ኣልማዕቲ ሰብ ሃፍቲ ውሽጢ ዓዲ ናብ ፓርክታት ንምእታው እናተሰርሐ ከምዝርከብን ኣገንዚቦም።

ብተወሳኺ ዝተሃነፁ ፓርክታት ኢንዱስትሪ ሙሉእ ብሙሉእ ናብ ስራሕ ከኣትዉ ብምግባር ሸርፊ ወፃኢ ሃገር ካብ ምዕባይ ሓሊፉ ንዜጋታት ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ክስራሕ ኢዩ ኢሎም።

ፓርክ ኢንዱስትሪ ሰመራ ህንፀፁ ሙሉእ ብሙሉእ ብምዝዛም ንልምዓት ድልዊ ንምግባር እቲ ኮርፖሬሽን ፃዕሪ እናገበረ ምዃኑ እውን ኣብሪሆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.