Fana: At a Speed of Life!

ካብ ዝተጣየሻሉ ዕላማ ወፃእ እንትንቀሳቀሳ ዝነበራ ሰለስተ ትካላት ወፃኢ ተኣጊደን

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሓምለ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ዝተጣየሻሉ ዕላማ ወፃእ እንትንቀሳቀሳ ዝነበራ ትካላት ወፃኢ ከምዝተኣገዳ ኤጀንሲ ትካላት ስቪል ማሕበረሰብ ኣፍሊጡ።

ቀዳማይ MSF HOLLAND ካልኣይ NORWEGIAN REFUGEE COUNCIL ሳልሳይ AL MAKTOUME FOUNDETION ዝተብሃላ ትካላት ኢየን እተን ዝተኣገዳ።

እተን ትካላት ወፃኢ ኤጀንሲ ትካላት ስቪል ማሕበረሰብ ፌዴሪኢ ብመሰረት ዝሃበን ፍቓድ ኣብ ዝተፈላለዩ ሰብኣዊ ስራሕቲ ተዋፊረን እናሰርሓ ዝፀንሓ አንትኾና፥ ብዝተገበረ ክትትል ካብ ዝተጣየሻሉ ዕላማ ወፃእ ብምንቅስቓስ፥

1- ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ዝተጠቐሳ ትካላት ዝተፈላለዩ ናይ ሓሶት መረዳእታታት ብማሕበራዊ ሚዲያን ብካልኦት ሜላታትን እንትውዝዓ ብምርካበን

2 – ሰለስቲአን ትካላት ስልጣን ብዘለዎ ኣካል ፍቓድ ስራሕ ዘይተውሃበን ዜጋታት ወፃኢ ዓዲ ናብ ውሽጢ ዓዲ ብምእታው ልዕሊ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ቆፂረን እንተስርሓ ብምርካበን

3- ኣብ ቀዳማይ ዝተቐመጠ ትካል ስልጣን ብዘለዎ ኣካል ፍቓድ ዘይተውሃቦ መሳርሒታት ሳተላይት መራኸቢ ሬዲዮ ናብ ውሽጢ ዓዲ ብምእታው ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ኣፍረስቲ ዝኾነ ዕላማ እንትጥቀምሉን ሒዞም እንትንቀሳቐሱን ብኣካላት ፀፅታ ኣብ ቁፅፅር ብምውዓሎም

4- ኣብ ሳልሳይ ዝተጠቐሰ ትካል ፕሮቶኮል ኮቪድ 19 ሚኒስቴር ትምህርቲ ብዘይምኽባር፣ ኣጠቓቕማ በጀት ግልፅነት ዝጎደሎን ብስም ትምህርት ቤት ዝመፅእ በጀት ካብ ዕላማ ወፃእ እናተጠቐመ ብምዃኑ ከምኡውን ብፀገም ምምሕዳር ሰራሕተኛታት ዝተርኣየሉ ብምዃኑ ምኽኒያት

እተን ትካላት ካብ ዝተጣየሻሉ ዕላማ ወፃእን ረብሓ ሃገር ብዝፃረር መልክዑን እንትንቀሳቐሳ ብምርካበን ንክእረማ ብተደጋጋሚ መስ ሓለፍቲ እተን ትካላት ዘተ እንተተገበረ እወን ከስተኻኽላ ብዘይምኽኣለን ሓፈሻዊ ምርመራ ብምግባር ናይ መወዳእታ ውሳነ ክሳብ ዝወሃብ ብኣዋጅ ቁፅሪ 1113/2011 ፃንቀፅ 77(4) መሰረት ሓፈሻዊ ምንቅስቓስ እተን ትካላት ንሰለስተ ኣዋርሕ  ከምዝተኣገደ ኤጀንሲ ትካላት ስቪል ማሕበረሰብ ኣፍሊጡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.