Fana: At a Speed of Life!

ሓያል ዕስለ ኣንበጣ በረኻ ናብ ክልል ትግራይ ክኣቱ ይኽእል ኢዩ-ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገፀርን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 11 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ካብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ሓያል ዕስለ ኣንበጣ በረኻ ናብ ክልል ትግራይ ክኣቱ ከምዝኽእል ዝገልፁ ሓበሬታታት ከምዘለዉ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገፀርን ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።

ስለዝኾነ ብፍላይ ኣዋሰንቲ ወረዳታት እተን ክልላት ብሓፈሻ ድማ ኩለን ዕስለ ኣንበጣ ቅድሚ ሕዚ ዝሓልፈለን ዝነበራ ወረዳታት ልዑል ጥንቃቀ ክገብራ ከምዝግባእ ሓቢሩ።

ዕስለ ኣምበጣ በረኻ ኣብ ወርሕ ነሓሰ 2012 ዓ.ም ኣብ 12 ወረዳታትን 57 ጣባያትን ትግራይ ከምዝተርኣየ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገፀርን ክልል ትግራይ ምግላፁ ይዝከር።

ብመሰረት እዚ ብብርኪ ክልል ዝተታሓዘ ኣንፈት በቲ ቢሮ ዝተጣየሸ ጉጅለ ቴክኒክ ምስ ሰብ ሞያ ዩንቨርስቲ መቐለ ብምትሕብባር እቲ ዕስለ ዝርከበሉ ከባቢ ዘፅነዐ እንትኸውን፥ ጉጅለ ሎጀስቲክ ድማ ዝተማእኸለ ደገፍ ንክህሉ ማሽናት መንፀጊ ኬሚካልን እቲ ዕስለ ኣንበጣ ንምብራር ዝሕግዙ ካልኦት ድምፂ ዝህቡ ነገራትን ናብቲ ዕስለ ኣንበጣ ብበዝሒ ዝርከበሉ ከባቢ ክባፃሕ ከምዝገበሩ ተገሊፁ ኢዩ።

ብተመሳሳሊ ዜና ሰራሕተኛታት ኢትዮ ቴሌኮም ርጅን ሰሜን ከምኡ እውን ዎርልድ ቪዠንን “GiZ-ISFM” ዝተባሃሉ ዘይመንግስታውያን ትካላትን ንግብረ ሓይሊ ምክልኻል ዕስለ ኣምበጣ ትግራይ ዝውዕል ልዕሊ 2 ነጥቢ 6 ሚልየን ብር ሓገዝ ከምዝገበሩ እቲ ቢሮ ኣፍለጡ።

ዳርክትሬት ዳይሬክተር ቅድመ መጠንቀቅታን ህፁፅ ግብረ መልስን እቲ ቢሮ ኣይተ ገብረእግዚኣብሄር ኣረጋዊ፥  ኣብዚ ዓመት ሓደጋ ውሕጅ፣ ምግሃስ መሬትን ወራር ዕስለ ኣምበጣን ከም ክልል ብሰፊሑ ከምዘጋጠሙ ገሊፆም።

ነቶም ሓደጋታት ንምክላኽልን ዘብፅሕዎ ጉድኣት ንምቕናስን ሕብረተሰብ፣ መንግስታውያንን ዘይመንግስታውያንን ትካላት ዝተወደደ ተሳትፎ ሓገዝ እናገበሩ ከምዝኾኑ ሓቢሮም።

ወራር ዕስለ አምበጣ ኣብ ወርሒ መስከረም ዝጋደደሉ ኩነታት ስለዝህሉ ሕብረተሰብን ካልኦት መድረግቲ ኣካላትን ከምቲ ልሙድ ሓገዞም ከሐይሉ ድማ ፀዊዖም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.