Fana: At a Speed of Life!

ክሳብ ሕዚ ካብ ዝተረኣዩ ዘረፋታት ዓቢዪ ዝተብሃለ ዘረፋ ዲጂታል ገንዘብ ተፈፂሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ጠለፍቲ ሓበሬታ ክሳብ ሕዚ ካብ ዝተረኣዩ ዘረፋታት ዓቢዪ ዝተብሃለ ዘረፋ ዲጂታል ገንዘብ ከምዝፈፀሙ ተገሊፁ።

ሰረቕቲ ሓበሬታ ኣብ ታሪኽ ዲጂታል ገንዘብ ኣብ ሓደ እዋን ዝተፈፀመን ብዙሕ ዝተብሃለሉን 600 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ከምዝዘረፉ ተሓቢሩ።

ጠለፍቲ ሓበሬታ ብሎክቼይን ሳይት ኣብ ዝኾነ ፖሊ ኔት ዎርክ ኮምፒውተር ተቓላዕነቱ ብምጥቃም 600 ሚሊየን ዶላር ዋጋ ዘለዎም ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ኤተር ክሪፕቶ ቶክኖችን ከምዝዘረፉ ተሓቢሩ።

ክሪፕቶ ቶክን ሚስጢራዊ ዓይነት ገንዘብ እንትኸውን፥ ሓደ ንብረት ወይ እውን ዝተወሰነ ኣጠቓቕማ ዝውክልን ኣብ ብሎክቼይን ዝቕመጥ ሃፍቲ ኢዩ ተባሂሉ።

ቶክኖች ንኢንበስትመንት ዕላማ፣ ሃፍቲ ንምኽዕባት ወይ እውን ዕድጊት ንምፍፃም ዘገልግሉ ኢዮም፡፡

ኣብ ፖሊ ኔትዎርክ ዝተፈፀመ ጠለፋ ከም ኮይንቼክን ኤምቲ ጎክስን ዝበሉ ዲጂታል ስርዓት ገንዘብ ካብ ዝተፈፀሙ ናይ ቀረባ እዋን ጥሕሰታት ሓበሬታ እንትነፃፀር ብመጥ ዝዓበየ ኢዩ ተባሂሉ ንቢቢሲ ፀሪሑ መርበብ ድሕንነት ሓቤታ ገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.