Fana: At a Speed of Life!

ክሳብ ዝቕፅል ሰሉስ ዝፀንሕ ናፃ ኣገልግሎት ሕክምና ዓይኒ ይወሃብ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ን30ሺሕ ዝኾኑ ኢትዮጵያውያን ክሳብ ዝቕፅል ሰሉስ ዝፀንሕ ናፃ ኣገልግሎት ሕክምና ዓይኒ ይወሃብ ኣሎ።

መኽፈቲ ስነ-ስርዓት እቲ ናፃ ኣገልግሎት ሕክምና ዓይኒ ኣብ ሆስፒታል ኣለርት ዝተኻየደ እንትኸውን፥ እቲ ኣገልግሎት ኣብ ሓፈሻዊ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ወራቤ፣ ሆስፒታል ዩኒቨርሲቲ ጅማን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓፈሻዊ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ኣለርትን እናተውሃበ ይርከብ።

እቲ ናፃ ኣገልግሎት ሕክምና፥ ትካል ገባሪ ሰናይ ስዑድ ዓረብ ዝኾነ ኣልባሳር ኢንተርናሽናል ፋውንዴሽን ምስ ያሲን ፋውንዴሽን ብምትሕብባር ኢዩ እናተውሃበ ዝርከብ፡፡

እዚ ድማ ካብ 23 ለካቲት ክሳብ 12 መጋቢት 2015 ዓ.ም ዝፀንሕ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

30 ሺሕ ዜታት ተረባሕቲ ናፃ ኣገልግሎት ሕክምና ዓይኒ ከምዝኾኑ ካብቲ ሚኒስቴር ጥዕና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia #eyes #health

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.