Fana: At a Speed of Life!

ክትባት ንምግዛእ ኣብ ዝግበር ቅድድም ድኻ ሃገራት ክጭፍለቓ ከምዘይግባእ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣገንዚቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 15 ሕዳር፣2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ክትባት ፀረ ቫይረስ ኮሮና ንምግዛእ ኣብ ዝግበር ቅድድም ድኻ ሃገራት ክጭፍለቓ ከምዘይግባእ ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣገንዚቦም።

ዶክተር ቴድሮስ፥ እቶም ዕውታት ዝኾኑ ክታበታት ፍትሓዊ ብዝኾነ መገዲ ክባጽሑ ምግባር ከምዘድሊ ገሊፆም።

እዚ ንምግባር ድማ 4 ነጥቢ 3 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ገንዘብ ምርካብ ከምዘድሊ አመልኪቶም።

ክሳብ ሕዚ ብዘሎ ውፅኢት ኣብ ኣርባዕተ ዓይነታት ክታበት ፀረ ቫይረስኮሮና ብዝተኻየደ ናይ መወዳእታ ብርኪ ፈተነ ዘዕግብ ውፅኢት ተረኺቡ ኣሎ።

እቲ ብዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድን ትካል ምርምር ኣስትራዜኔካን ዝማዕበለ ምልክታት ኮቪድ-19 ብኣጋ ደው ከብል ዝገብር ዓይነት ክታበት፥ ካብቶም ካልኦት ኣብ ቀረባ እዋን ዕላዊ ካብ ዝተገበሩ ክልተ ክታበታት ኣዝዩ ዝሓሰረን ብብርኪ ዓለም ዓብዪ ለውጢ ከምፅእ ተስፋ ዝተገበረሉን ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ብኩባንያታት ፋይዘርን ባዮኤንቴክን ከምኡ ድማ ሞድሬና ካብ ዝማዕበሉ ክታበታት ብዝሓሸ ብቐሊሉ ምዕቃብን ምጉዕዓዝን ከምዝከኣል እውን ተመራመርቲ ገሊፆም።

እቲ ካልእ ክታበት ኣብ ሩስያ እናማዕበለ ዝርከብ እንትኸውን፥ ስፑትኒክ ቪ ከምዝበሃልን ኣብ ሳልሳይ ብርኪ ፈተነ ዕውት ውፅኢት ኣርኢዩ ኢዩ።

ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ትማሊ ብኮንፈረንስ ቪድዮ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ ካብቶም ዝካየዱ ዘለዉ ፈተነታት ዝርከብ ዘሎ ውጽኢት ኣብቲ ፅልግልግ እዋን ብርሃን ኣሎ ክብሉ ገሊፆምዎ።

ኣብ ታሪኽ ዓለም ብኸምዚ ዝበለ ቅልጡፍ ግዜ ዝተረኸበ ዓይነት ክታበት ከምዘየለ እውን ኣዘኻኺሮም።

እዞም ክታበታት ምስ ካልኦት ጥዕና ሕብረተሰብ ንምሕላው ዝውሰዱ ስጉምትታት ተዋዲዶም ለበዳ ቫይረስኮሮና ንኽብቅዕ ክሕግዙ ከምዝኽእሉ ተዛሪቦም።

ዶክተር ቴድሮስ፥ ሃፍታማት ሃገራት ነቲ ዝፈሪ ዕውት ክታበታት ጠቕሊለን ብምዕዳግ ድኻ ሃገራት ጥራይ ኢደን ከይተርፋ ዘለዎም ስግኣት ገሊፆም።

ኣንፃር ዓለም ለኻዊ ለበዳ ቫይረስኮሮና ኣብ ዝግበር ቃልሲ ሓበራዊ ክኸውን ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.