Fana: At a Speed of Life!

ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ዘሰልጠኖም ኣባላት ኣመራርሓታት ዳይሬክቶሬት ፀፅታን ምኽባር ሕጊን ኣመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 06 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ዘሰልጠኖም ኣባላት ኣመራርሓታት ዳይሬክቶሬት ፀፅታን ምኽባር ሕጊን ኣመሪቑ።

እቲ ስልጠና ንሓደሽቲን ነባራትን ኣመራርሓታትን ኣባላትን ኮሚስን ፖሊሽ ፌዴራል ዓውዲ ምክልኻል ገበንን ዳይሬክቶሬት ፀፅታን ምኽባር ሕጊን ዝተውሃበ ኢዩ።

ኣብ እዋን እቲ ስልጠና ድማ ትምህርቲ ዘበናዊ ኣድማ ብተና ሓዊሱ ምቁፅፃር ሓደገኛ መዐወኒ ሓሺሽ፣ ግልጋሎ ማሕበረሰባዊ ፖሊስ፣ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰል፣ ርዳእታ ቀዳማይ ብርኪ ሕክምናን ኣካል ጥንካረን ዝበሉ ስልጠናታት ወሲዶም ኢዮም።

ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ጄኔራል እንደሻው ጣሰው፥ ካብ ህዝቢ ዝተውሃበ ሓደራ ብግቡእ ንምውፃእን ንሓይሊ ፖሊስ ዝፈታተኑ ዘለዉ ጎንፂታት ንምክልኻለልን ዝተጀመሩ ከይዲ ስልጠናታት መርኣያ ምዃኖም ገሊፆም።

እቲ ስልጠና ወታደራዊ ምድላው፣ ፖሊሳዊ ስነ-ምግባር፣ ኣገልጋላይነትን ውግንናን ህዝቢ ዘካተተን ኣብ ህዝቢ ዘሎ ስግኣት ንምቕራፍ ከምዘኽእልን እውን ኣብሪሆም።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ ለውጢ ኩሎም ኢትዮጵያውያን ተረባሕቲ ንኽኾኑ፥ ሰላም ክዓስልን ሕጊ ክኽበርን ምግባር ተኹረት ተዋሂቡ ክስራሕ ይግባእ ምባሎም ካብ ርክብ ህዝቢ ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.