Fana: At a Speed of Life!

ኮቪድ 19 ንምፍዋስ ዘኽእል ክታበት ንምርካብ ዝግበር ፃዕሪ ዘይክዕወት ይኽእል ኢዩ ክብል ውድብ ጥዕና ዓለም ኣጠንቂቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዳይሬክተር ጀነራል ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ክታበት ቫይረስኮሮና ንምርካብ ዘሎ ተስፋ ክመናመን ይኽእል’ዩ ክብሉ ኣጠንቂቖም።

እቶም ዳይሬክተር ጀነራል፥ ቫይረስኮሮና ንምፍዋስ ዘኽእል ቀጥታዊ መፍትሒ ኣብዚ ሕዚ እዋን የለን፤ ዘይህክሊ’ውን ይኽእል’ዩ ክብሉ ገሊፆም።

ስለ ዝኾነ ህዝቢ ዓለም ብሰብ ሞያ ጥዕና ዝተገለፅሉ ዝርግሐ እቲ ለበዳ ንምክልኻል ዝወሃቡ መምርሒታት ምሕላው ኣካላዊ ርሕቐት፣ ኢድካ ብማይን ሳሙናን ምሕፃብን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምጥቃምን ዝበሉ ተግባራዊ ክገብር ኣለዎ ክብሉ ኣተሓሳሲቦም።

ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ኣብ ምቁፅፃር ዓቕሚ ምምርማር ምዕባይ፣ ምውሻብን ሕሙማት ምሕካምን ከምኡ’ውን ኣሰር ዝተተናኸፉ ምርካብን ሓገዝቲ ከም ዝነበሩ ዶክተር ቴድሮስ ገሊፆም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ብርክት ዝበሉ ክታበታት ኣብ ፈተነ ከምዝርከቡ እውን ኣዘኻኺሮም።

ካብቶም ኣብ ፈተነ ዘለዉ መልከፍቲ እቲ ቫይረስ ንምክልኻል ዝሕግዙ ክታበታት ንክርከብ ተስፋ ንገብር ዝበሉ ዶክተር ቴድሮስ፥ ይኹን እንበር ክሳብ ሐዚ ዋላ ሓደ ዕውት ክታበት ከምዘየለ ገሊፆም።

ንቐፃሊ እውን ዘይክርከብ ከምዝኽእል ዶክተር ቴድሮስ ኣጠንቂቖም።

ብኻልእ ወገን ብቫይረስኮሮና ዝተትሓዛ ወይ’ውን ዝተጠርጠራ ኣዴታት ደቀን ከጥቡዋ ክተባብዓ ከም ዘለወን ሓቢሮም።

ብብርኪ ዓለም ክሳብ ሐዚ ልዕሊ 18 ሚሊየን ሰባት ብቫይረስኮሮና ዝተለኸፉ እንትኾኑ፥ ካብዚኦም እቶም 689 ሽሕ ከም ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ፀብፃብ ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ የመልኽት።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.