Fana: At a Speed of Life!

ወተሃደራት ኣሜሪካን ኔቶን ካብ ኣፍጋኒስታን ክወፅኡ ከምዝጀመሩ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሚያዚያ፣ 2013 ዓ. ም(ኤፍ ቢ  ሲ)ፕረዚዳንት ጆ ባይደን ወተሃደራት ኣመሪካ ክሳብ 11 መስከረም ካብ ኣፍጋኒስታን ጠቕሊሎም ክወፅኡ ብመሰረት ዝሃብዎ ትእዛዝ እታ ሃገር ወተሃደራታ ብወግዒ ካብ ኣፍጋኒስታን ከተውፅእ ምጅማራ ተገሊፁ።

ወተሃደራት ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክን (ኔቶ) ወተሃደራት ኣመሪካን ንኣስታት 20 ዓመታት ኣብ ኣፍጋኒስታን ኣንጻር ታሊባን ኵናት ከካይዱ ድሕሪ ምፅናሕ እዮም ክሳብ 11 መስከረም ኣብ ዘሎ ግዜ ጠቕሊሎም ክወጽኡ ወሲኖም ዘለዉ።

ሰበ-መዚ ኣፍጋኒስታን ግን ታሊባን ድሕሪ ምውጻእ ሰራዊት ኔቶን ኣመሪካን ሕነ ናይ ምፍዳይ ስጉምቲ ከይወስድ ስግኣት ኣለዎም።

ሰራዊት ታሊባን፥ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንዓለምለኻውያን ሰራዊት ዕላማ ከይገብሩ ዝኣተውዎ ውዕል ከምዘፍረስዎን ብእኡ ከምዘይቕየዱን ኣጠንቂቖም እዮም።

ፍልፍል፥ ቢቢሲ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፥

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.