Fana: At a Speed of Life!

ወዲ 17 ዓመት ሰልጣናይ ናሳ ሰገን ካብ መሬት 1 ሽሕን 300 ብርሃን ዓመት እትርሕቕ ሓዳሽ ፕላኔት ረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ወዲ 17 ዓመት ሰልጣናይ ናሳ ሰገን፥ ካብ መሬት 1 ሽሕን 300 ብርሃን ዓመት እትርሕቕ ሓዳሽ ፕላኔት ከምዝረኸበ ተገሊፁ።

እቲ ዎልፍ ኩኪየር ዝበሃል ኣብ ናሳ ዝረኸቦ ዕድል ስልጠና ሓፂር እዋን እናተኸታተለ ስራሕ ልምዲ ንኽሕዝ’ዩ።

ይኹን እምበር ናብቲ ማእኸል ካብ ዝኣቱ ኣብ ሳልሳይ መዓልቱ ሓዳሽ ፕላኔት ከምዝረኸበ ተገሊፁ።

ካብ ሳተላይት ዝረኸቦም ምስልታት ይርእይ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፥ ሓደ ፍልይ ዝበለ ኣካል ክዕዘብ ክኢሉ።

ብዝገበሮ ፃዕሪ ድማ እቲ ዝረኣዮ ነገር ካብ መሬት 1 ሽሕን 300 ብርሃን ዓመት ርሕቐት እትርከብ ፕላኔት ኮይና ከምዝረኸባ ናሳ ኣረጋጊፁ።

ዎልፍ “ንኽልተ ከዋኽብቲ እትዘውር ፕላኔት ንምርካብ ይፅዕር ነይረ” ክብል ይዝክር።

ሽዑ ኣብ ብርሃን እተን ከዋኽብቲ ለውጢ እንተዳኣሃልዩ ንምፍላጥ ይከታተል ነይሩ።

እዚ ድማ ብቕድሚት ትሓልፍ ናይ ዘላ ፕላኔት ፅላሎት ከምልክት ዝኽእል’ዩ።

ናብ ናሳ ካብ ዝኣትው ኣብ ሳልሳይ መዓልቱ ከኣ ንመሬት ብብዙሕ ብርሃን ዓመታት ናብ ዝርሓቐ ስርዓተ ፀሓይ ይርእይ ኣብ ዝነበረሉ ሰዓት ዝኾነ ነገር ንብርሃን እተን ከዋኽብቲ ክጋርድ ተዓዚቡ።

“ካብተን ከዋኽብቲ ዝተረኸበ መረዳእታ ክንርእዮ ጀሚርና። ክልተ ተወሰኽቲ ናይ ብርሃን ዕርበት ድማ ርኢና። ምናልባት ፕላኔት ክትህልው ትኽእልያ ብዝብል ትንተናና ቀፂልና” ክብል ይዝክር።

ዎልፍ ዝረኸቦ ነገር ካልኦት ተመራመርቲ ኢዶም ክሓውሱሉ ግድን ነይሩ። ብዝተገበረ ተወሳኺ መፅናዕቲ ከኣ እታ ፕላኔት ካብ መሬት ብ6 ነጥቢ 9 ዕፅፊ ከምእትዓብይ ተረጋጊፁ።

እታ ሓዳሽ ፕላኔት፥ “TOI 1338 b” ዝብል ስያመ ረኺባላ ኣላ።

“ሓወይ ነታ ዓለም ዎልፍቶፕያ ክብላ ሓሲቡ ነይሩ፤ TOI 1338 b ዝብል ግን ብቑዕ ይመስለኒ” ይብል እቲ ወዲ 17 ዓመት መንእሰይ።

እዚ ስም፡ ኣብ ክልተ ከዋኽብቲ ዑዱት ከምእትገብር ዘረድእ’ዩ።

እዚ መንእሰይ ኣብ ምርምር ህዋ ዝለዓለ ፍቕሪ ሓዲርዎ’ሎ። ናብ ዩኒቨርሲቲ ምስኣተወ ፊዚክስ ኣስትሮ ፊዚክስ ከጽንዕ ድልየት ኣለዎ።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.