Fana: At a Speed of Life!

ውድብ ጥዕና ዓለም ንምንጪ ቫይረስኮሮና ኣመልኪቱ ኣብ ቻይና ካልኣይ መድረኽ ምርመራ ንምክያድ ዘቕረቦ ትልሚ እታ ሃገር ነፂጋቶ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 15 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ውድብ ጥዕና ዓለም ናይቲ ንምንጪ ቫይረስኮሮና ኣመልኪቱ ክገብሮ ዝፀንሐ መርመራታት ከም መቐፀልታ ኣብ ቻይና ካልኣይ መድረኽ መርመራ ንምክያድ ዘቕረቦ ትልሚ እታ ሃገር ከምዝነፀገቶ ተገሊፁ።

ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፥ ቻይና ንቤተ ፈተነታት ክፉት ብምግባር ኣብቲ መዳይ ዝያዳ ምትሕብባር ክተርእይ ፀዊዖም።

ምኽትል ሚኒስትር ጥዕና ቻይና ዘንግ ዪዢን ብግደኦም፥ እቲ  ትልሚ ፖለቲካዊ መልእኽቲ ከም ዘለዎ ገሊፆም።

ስለዝኾነ ቻይና ክትቕበሎ ከም ዘይትኽእል ተዛሪቦም።

እቲ ውድብ ኣብ ወርሒ ጥሪ ናይዚ ዓመት ናብቲ እቲ ቫይረስ ፈለማ ዝተራእየላ ቻይናዊት ከተማ ውሃን ጉጅለ ክኢላታት ልኢኹ ምንባሩ ይዝከር።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.