Fana: At a Speed of Life!

ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ኣቢያተ ትምህርቲ መገዲታት መከላኸሊ ኮቪድ ብግቡእ ምትግባሮም ንምርግጋፅ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብምትሕብባር ከምዝሰርሕ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 22 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ኣቢያተ ትምህርቲ መገዲታት መከላኸሊ ኮቪድ ብግቡእ ምትግባሮም ንምርግጋፅ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብምትሕብባር ከምዝሰርሕ ኣፍሊጡ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኮቪድ-19 ምግጣሙ ስዒቡ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ መጋቢት ጀሚረን ኣቢያተ ትምህርቲ ምዕፃወን ይፍለጥ፡፡

ድሕሪ እዚ ድማ ተምሃሮ ኣብ ገዝኦም ዝተፈላለዩ ኣማራፂታት ብምጥቃም ካብ ትምህርቲ ዝረሓቑሉ እዋን ንምክሕሓስ እናፈተኑ ፀኒሖም ኢዮም፡፡

መንግስቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ኣቢያተ ትምህርቲ ኣድላዪ ጥንቃቐ ብምግባር ንኽኽፈታን ተምሃሮ እውን ናብ መኣዲ ትምህርቶም ንኽምለሱን ወሲኑ ኢዩ፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ትምህርቲ ዝተጀመረ እንትኸውን፥ ውድብ ጥዕና ዓለም እውን ምስ ሓለፍቲ ስራሕ ትካላት ጥዕናን ኣቢያተ ትምህርቲን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ኣብቲ ጉዳይ ብቐረባ ኮይኑ ከምዝሰርሕ ኣፍሊጡ፡፡

ኣቢያተ ትምህርቲ ዝርገሐ ምስፍሕፋሕን እቲ ቫይረስ ከምኡ እውን ተቓላዕነት ተምሃሮን መምህራንን ንምንካይ ዝዓለመ ከምዝኾነ እውን እቲ ትካል ገሊፁ፡፡

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ካብ መምህራን ወፃኢ ዘለዉ ኣባላት እተን ኣቢያተ ትምህርቲ ተቓላዕነት ብምንካይ ድሕንነት ማሕበረሰብ ንምርግጋፅ ዘኸእል ከምዝኾነ ኣፍሊጡ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.