Fana: At a Speed of Life!

ውድድር ብስክሌት ቱር ለካቲት ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ለካቲት፣ 2012(ኤፍ ቢ ሲ)ውድድር ብስክሌት “ቱር ለካቲት” ሽግ ሓርነት ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝተጀመረሉ በረኻ ደደቢት ሎሚ መዓልቲ ተጀሚሩ።

ኣብቲ ውድድር ብስክሌት፥ ካብ ቤልጅየም፣ ጀርመንን ኬንያን ዝተወከሉ ተቐዳደምቲ ይሳተፉ ኣለዉ።

ብተወሳኺ ካብ ክልል ደቡብ ወራቤ ከተማን ኣብ ትግራይ ካብ ዝርከባ ትሽዓተ ጋንታታት ዝተውፃፅኡ ተቐዳደምቲ ዝሳተፉሉ ኮይኖም እቲ ውድድር ካብ ደደቢት ክሳብ መቐለ ዝካየድ እዩ ተባሂሉ።

መበል 45 ዓመት በዓል 11 ለካቲት ምኽንያት ብምግባር ካብ ሎሚ መዓልቲ ክሳብ 7 ለካቲት 2012 ዓ.ም ዝካየድ እቲ ውድድር፥ ዕለት ኣርባዕተ ለካቲት ሽረ-ዓድዋ፣ ሓሙሽተ ለካቲት ኣኽሱም-ዓዲ ግራት፣ ሽዱሽተ ለካቲት ዓዲ ግራት-ዓብይ ዓዲ፣ ሸውዓተ ለካቲት ዓብይ ዓዲ-መቐለ ከምዝካየድ ተገሊፁ።

እቶም ተቐዳደምቲ ኣብ ኩለን ከተማታትን ወረዳታትን ትግራይ እንትበፅሑ ድሙቕ አቀባብላ ከምዝግበረሎም ኣካቢ ኮሚቴ ስፖርት 11 ለካቲት ኣይተ ነጋ ኣሰፋ ገሊፆም።

ፍልፍል፦ ወይን ጋዜጣ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.