Fana: At a Speed of Life!

ዓለም ሓዱሽ ዓመት 2020 ምቐባል ጀሚራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዝተወሰና ክፋላት ዓለም ሎሚ መዓልቲ ሓዱሽ ዓመት 2020 ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ምቐባል ጀሚረን።

ኒውዝላንድ ሓዱሽ ዓመት 2020 ብምቕባል ፈላመይቲ ሃገር እንትትከውን፥ ብዙሓት ኣናእሽተይ ሃገራት ደሴት ፓፊክ እውን ሓዱሽ ዓመተን ተቐቢለን ኣለዋ።

ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ሃገራ፥ ንመቐበሊ ሓዱሽ ዓመት ዝኾኑ ዓበይቲ ምርኢታት ተኹሲ ርችት ኣብ ርእሰ ከተመአን ከምዘሰናኣ ተገሊፁ።

ባከርን ሆውላንድን ዝተብሃላ ሰብ ዘይነብለን ደሴታት ድማ ካብ ዓለም መወዳእታ ሓዱሽ ዓመተን ዝቕባላ ከባቢታት ኢየን ተባሂሉ።

ፍልፍል፦ ቢቢሲ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.