Fana: At a Speed of Life!

ዓለም ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ኣበርቲዓ ክትሰርሕ ይግባእ  – ውድብ ጥዕና ዓለም

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ለካቲት፣ 2012(ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም በቢ መዓልቱ ኣስጋኢነቱ እናወሰኸ ዝመፅአ  ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ክትዳሎ ከምዝግባእ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ዝርከቡ ልዕሊ 80 ሺሕ ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፉ ማዕኸናት ዜና ዓለም ይሕብሩ ኣለዉ።

ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ ጄኔቫ ንጋዜጠኛታት አብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ ኣብ ሃገራት ኢራን፣ ጣሊያንን ደቡብ ኮሪያን በቲ ለበዳ ሕማም ዝተሓዙ ሰባት ቁፅሪ ብዝለዓለ ብርኪ ምውሳኹ ኣስጋኢ ምዃኑ ገሊፆም።

እቲ ቫይረስ ኣብተን ሃገራት ብልዑል ብርኪ እናተዛመተ ዋላ ይኹን እምበር፥ ለበዳ ኣብ ዝበሃለሉ ብርኪ ኣይበፅሐን ተባሂሉ።

ሓላፊ ፕግራም ሓደጋ ገዘ ውድብ ጥዕና ዓለም ዝኾኑ ማይክ ራያን፥ ሃገራት ዓለም እቲ ለበዳ ሕማም ንምክልኻል ዝገብረኦ ዘድሊ ኩሉ ምድላው እዋኑ ሕዚ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ቫይረስ ኮሮና ዝተርኣየለን ሃገራት፥ እቲ ለበዳ ሕማም ንምክልኻል ዝተፈላለዩ ፃዕታት እናገበራ ምዃነን እውን ሓቢሮም።

ፍልፍል፡- ቢቢሲ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.