Fana: At a Speed of Life!

ዓበይቲ ትካላት፣ ዶብ ዘለል ዓለም ለኻዊ ኣተሓሳስባን ባህሊን ምፍጣር እንትከኣል ዓባይ ሃገር ትህሉ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ዓበይቲ ትካላት፣ ዶብ ዘለል ዓለም ለኻዊ ኣተሓሳስባን ባህሊን ምፍጣር እንትከኣል ዓባይ ሃገር ክትህሉ ከምትኽእል ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡክ ገፆም ኣብ ዝፀሓፉዎ ፅሑፍ፥ “ዓባይ ሃገር ትፍጠር ኣብ ምድማር፣ ሓድነትን ሕውነታዊነትን ዝተመርኮዘ ዓበዪ ስራሕቲ እንትንሰርሕ ኢዩ” ኢሎም።

ግሪክን ሮማን ዓለም ክቐርፃ ዝኸኣላ ዓበይቲ ብምዃነን ዘይኮነስ ምዕቡላት ስለዝኾና ኢዩ ዝበሉ ዶክተር ኣቢይ፥ ኣብ ግዝኣት እንግሊዝ ፀሓይ ኣይተዓርብን ዝተብሃለሉ ምኽንያት ድማ እታ ሃገር ኣብቲ እዋን ብዝፈጠረቶ ግዙፍ ምዕባለ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ብተመሳሳሊ ስፔንን ኦቶማን ቱርኪን ኣብ ሓደ እዋን ዓለም ከንቀጥቅጣ ዝኸኣላሉ ምኽንያት ዓበይቲ ብምዃነን ዘይምዃኑ ብምሕባር፤ “ዓቢዪ ብምዃን ምውርዛይ ንኡሽተይ ብምዃን ድማ ምሽቑራር ኣይግባእን” ክብሉ ኣብ መልእኽቶም ገሊፆም።

“ፃዕርና ብዓበይቲ ኢትዮጵያውያን ኣቢሉ ንኢትዮጵያ ዓባይ ምግባር ኢዩ” ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ “ምዕባለና ክንፈጥሮ ንኽእል ብዓበይቲ ሓሳባት ዝተሃነፁ ዓበይቲ ዜጋታትን መራሕቲን ብምፍጣር ኢዩ” ኢሎም።

ስለዝኾነ ድማ ዓባይ ሃገር ምፍጣር ዝከኣል፥ ዘበንን ትውልዲን ተሳገርቲ ዓበይቲ ትካላት፣ ዶብ ዘለል ዓለም ለኻዊ ኣተሓሳስባን ባህሊን ምፍጣር እንትከኣል ከምዝኾነ ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.