Fana: At a Speed of Life!

“ዓድዋ ማሕተም ሰብነት፣ እምነኹርናዕ ሓድነትና” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ መድረኽ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ለካቲት 20፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)“ዓድዋ ማሕተም ሰብነት፣ እምነኹርናዕ ሓድነትና” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ መድረኽ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ።

እቲ መድረኽ ዘተ ኤጀንሲ ኣቢያተ መፃሕፍቲን ኣቢያተ መዛግብቲን ኢትዮጵያ ምስ ሰውኛ ፕሮዳክሽንን ኤጀንሲ ዩኒቨርሲቲ ኣርባን ብምትሕብባር ዝተዳለወ ኢዩ።

ነቲ መሪሕ ሓሳብ መሰረት ብምግባር ድማ ክሳብ 23 ለካቲት ዝፀንሕ ፌስቲቫል ፊልሚ፣ ምርኢት መዛግብቲን መርሃ-ግብሪ ጉባኤ ሊቃውንቲን ዝተሰናድአ እንትኸውን፥ እቲ ናይ ሎሚ መዓልቲ መድረኽ ዘተ እውን ሓደ ኣካል ኢዩ ተባሂሉ።

ዓድዋ ንምንታይን ብኸመይን ተላዒሉ፣ ዘለዎ ረብሓን ዓድዋ መርኣያ ዓቢዪ ብራኸ ምትሕብባርን ሓድነትን ኢትዮጵያውያን ብዝብል ርእሲ ዝተፈላለዩ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ቀሪቦም ዘተ እናተገበረሎም ይርከቡ።

እቶም መፅናዕታዊ ፅሑፋት፥ ብሙሁራት ዩኒቨርስቲ ሜትሮፖሊታን ኮተቤን ዩኒቨርሲቲ ኣርባ ምንጭን ዝቐረቡ ኢዮም።

ብፍሬህይወት ሰፊው

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.