Fana: At a Speed of Life!

ዕለተ መውሃቢ ድምፂ ሃገራዊ ምርጫ 2012 ዓ.ም 23 ነሓሰ ንክኸውን ተወሲኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ለካቲት፣ 2012 ኤፍ.ቢ.ሲ)ዕለተ መውሃቢ ድምፂ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ዓመተ 2012 ብመሰረት ዝተመሓየሸ ሰሌዳ ጊዜ 23 ነሓሰ ክኸውን ከምዝተወሰነ ተገሊፁ።

ኮንፈረንስ መዳርግቲ ኣካላት ምርጫ ሎሚ መዓልቲ ይሳለጥ ኣሎ።

መመሓየሺ ሓሳብ እቲ ሰሌዳ ጊዘ ብዝምልከት ኣካቢት ቦረድ ምርጫ ወይዘሪት ብርቱኳን ሚደቅሳ ኣብቲ መድረኽ ኣቕሪበን።

ቦርድ ብሄራዊ መረፃ ኢትዮጵያ 10 ጥሪ ብመሰረት ዘቕረቦ ረቂቕ ግዘ ሰሌዳ፥ ሃገራዊ ምርጫ ዓመተ 2012 ድምፂ ዝወሃበሉ ዕለት 10 ነሓሰ 2012 ዓ.ም ንክኸውን ተወሲኑ ከምዝነበረ ይዝከር።።

እተን ኣካቢት፥ ዕለተ መውሃቢ ድምፂ ንክቕየር ኣድሂቦም ዝቐርቡ ሕቶታት ኣብ ግምት ብምእታው ሰሌዳ ግዘ ድምፂ ዝወሃበሉ ዕለት ብመንፅር ሕጊ 23 ነሓሰ 2012 ዓ.ም ንክኸውን ገይርና ኣለና ኢለን።

እቲ ወቕቲ ክረምቲ ምስ ምዃኑ ብምትሕሓዝ ንዘጋጥም ፅዕንቶ ብዝምልከት ድማ ምስ ኤጀንሲ ብሄራዊ ሜቲዮሮሎጂ ብሓባር ብምዃን ይስራሕ ከምዘሎ ኣብሪሀን።

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.