Fana: At a Speed of Life!

ዕጡቓት ብርኩናፋሶ ልዕሊ 130 ሰባት ቐቲሎም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 29 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዕጡቓት ብርኩናፋሶ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ቡርኪናፋሶ ትርከብ ሓንቲ ገጠር ልዕሊ 132 ሰባት ከምዝቐተሉ መንግስቲ እታ ሃገር ገሊፁ።

እቲ መጥቃዕቲ፥ ኣብታ ሃገር ዛጊድ ካብ ዝተፈፀሙ መጥቃዕቲታት እቲ ዝኸፍአ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ኣብቲ መጥቃዕቲ ገዛውትን ዕዳጋን ከምዝተቓፀሉ ዝተገለፀ እንትኸውን፥ ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል የለን ተባሂሉ።

ኣብ ቡርኪናፋሶ ብፍላይ ኣብ ዶባት ከባቢ እስላማዊ ጉጅለ ዕጡቓት መጥቃዕቲ ክፍፅሙ ምስማዕ ልሙድ እዩ።

ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፥ ነቲ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ብምኹናን ሃገራት ዓለም ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲታት ንምቅላስ ክሓብራ ፀዊዖም።

መንግስቲ እታ ሃገር ናይ ሰለስተ መዓልቲ ሃገራዊ ሓዘን እዋን ኣዊጁ ኣሎ።

ፍልፍል፦ ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.