Fana: At a Speed of Life!

ዘፈር ኢንዱስትሪ ቆርበት ንምምሕያሽ እናተሰርሐ ምዃኑ ሚኒስቴር ንግዲን ኢንዱስትሪን ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መጀመርታ 7 ኣዋርሕ እዚ በጀት ዓመት ካብ ወፃኢ ንግዲ 1 ነጥቢ 8 ቢሊዮን ዶላር ኣሜሪካን ኣታዊ ምርካቡ ሚኒስቴር ንግድን ኢንዱስትሪን ኣፍሊጡ፡፡

ዘፈር ፍርያት ሕርሻ 1 ነጥቢ 178 ቢሊየን፣ ዘፈር ማኑፋክቸሪንግ 211 ነጥቢ 4 ሚሊየን፣ ዘፈር መዓድን 373 ነጥቢ 7 ሚሊየንን ካልኦት ዘፈራት 50 ነጥቢ 6 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ኣታዊ ብምርካብ ቀዳማይ ብፅሒት ከምዝሓዙ እቲ ሚኒስቴር ገሊፁ፡፡

ኣብ በጀት ዓመት ካብ ወፃኢ ንግዲ ኣታዊ ንምርካብ ካብ ዝተሃቀነ 88 ሚኢታዊ ዘዐወተ እንትኸውን፥ ምስ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ ወቕቲ እንትነፃፀር 15 ሚኢታዊ ሓለፋ ምርኣዩ እቲ ሚኒስቴር ገሊፁ፡፡

ውፅኢት ቆርበት እውን ካብ ዝሕለፈ በጀት ዓመት እንትነፃፀር ዘርከቦ ዘርከቦ ኣታዊ ወፃኢ ንግዲ ትሑት ስለዝኾነ እቲ ዓውዲ ንፈጠራ ዕድል ስራሕን ምዕባለ ኢኮኖሚ ሃገርን ብመንፅር ዝፃወቶ ግደ እንትረአ ዘለዉ ፀገማት ብምፍታሕ ሃገራዊ ኢኮኖሚያዊ ኣበርክቶ እቲ ዘፈር ንምምሕያሽ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.