Fana: At a Speed of Life!

ዩኒቨርሲቲታት ምትእስሳር ምርምርን ኢንዱስትሪን ተግባራተን ኣጠናኺረን ክቕፅላ ከምዝግባእ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሰነ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ዩኒቨርሲቲታት ጎደና ጎድኒ ምምሃር ምስትምሃር ዝሰርሐኦም ተግባራት ምትእስሳር ምርምርን ኢንዱስትሪን ኣጠናኺረን ክቕፅላ ከምዝግባእ ተገሊፁ።

ዩኒቨርሲቲ ደብረ ብርሃን ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ እናተሰርሑ ዝርከቡ ፕሮጀክታት ልምዓት ምርምርን ምፍላጥን፤ ምትእስሳር ኢንዱስትሪ ዩኒቨርሲቲ ብዝብል መሪሕ ቃል መድረኽ ዘተ ይካየድ ኣሎ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ፍሉይ ኣማኻሪ ድሕንነት እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ኣንዳርጋቸው፣ ሚኒስትር ዲኤታ ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ፕሮፌሰር አፈወርቅ ካሱ፣ ሚኒስትር ንግዲን ኢንዱስትሪን ኣይተ መላኩ ኣለበል ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ ሙሁራትን ሰብ ሃፍቲን ተሳቲፎም፡፡

የሳይንስና ከፍተኛ ትምህርት ሚኒስትር ዴኤታ ፕሮፌሰር አፈወርቅ ካሱ፥ የትምህርትና ስልጠና ምርምር ተቋማት እና ኢንዱስትሪ ትስስር ትግበራ በሚል ጥናታዊ ፅሁፍ አቅርበዋል

ፕሮፌሰር አፈወርቅ ካሱ፥ ምርምር ትምህርቲን ስልጠናን ትካላትን ምትእስሳር ኢንዱስትሪን ዝብል መፅናዕታዊ ፅሑፍ ኣቕሪቦም።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከባ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ፥ ኣብ ከባቢአን ምስ ዝርከባ ኢንዱስትሪታት ተጣሚረን ዘሳልጠኦም ተግባራት ክጠናኸሩ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው ብግደኦም፥ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኣብ ዓውዲታት ሕርሻ፣ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ከምኡ እውን ኢንቨስትመንት ዓለም ለኸ ምትእስሳራት ምጥንኻር ከምዝግባእ ሓቢሮም፡፡

ብተመሳሳሊ ዜና “ግደ ዜጋታት ኣብ እዋን መረፃ” ብዝብል መሪሕ ቓል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወሎ ልዝብ ይሳለጥ ኣሎ።

ብኤልያስ ሹምዬ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.