Fana: At a Speed of Life!

ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣዳማ ንክልተ መምህራንን ተመራመርቲን ሙሉእ መዓርግ ፕሮፌሰርነት ሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣዳማ ንክልተ መምህራንን ተመራመርቲን ሙሉእ መዓርግ ፕሮፌሰርነት ሂቡ።

እቲ ዩንቨርስቲ ንፕሮፌሰር ኣሰፋ ኣባሙናን ፕሮፌሰር ኣማን ደቀቦን ንመፈለምታ እዋን ብመዓርግ ፕሮፌሰርነት ከምዝሃበ ተገሊፁ።

እቶም ሙሉእ መዓርግ ፕሮፌሰርነት ዝተውሃቦም ምሁራን፥ ንብዙሕ ዓመታት ብምምሃር ምስትምሃር፣ መፅናዕቲን ምርምርን ኣብ ዓለም ለኻዊ ጆርናላት ብምሕታምን ንሕብረተሰብ ብዝገበርዎ ኣገልግሎትን ዘገልገሉ ከምዝኾኑ  ፕሬዚዳንት እቲ ዩንቨርስቲ ዶክተር ለሚ ጉታ ተዛሪቦም።

እቲ መዓርግ ምውሃቡ ተወዳዳሪነት ምሁራን ከምዝውስኽ ሓቢሮም።

እቲ ዩንቨርስቲ ኣብዚ ሐዚ እዋን ልዕሊ 400 ተምሃሮ ሳልሳይ ዲግሪ እናምሃረ ዘሎ እንትኸውን፥ እቲ ትምህርቲ ብፅርየት ንምሃብ ዘኽእል ምሁራን ናይ ምብቃዕ ስራሕ ይስራሕ ከምዘሎ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.