Fana: At a Speed of Life!

ዩኒቨርስቲታት ተምሃሮአን ናብ ዋና ዋና ከተማታት ንኸብፅሓ ኣንፈት ተቐሚጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ነናብ ስድራ ቤቶም ኣብ ዝምለሱሉ ከይዲ ዘድሃበ ዘተ ተሳሊጡ።

ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ብዝብል ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ብጥቃቐ ብዝተመልኦ መገዲ ነናብ ዝመፅኡሉ ከባቢ ይመለሱ ዝብል ውሳነ ምምሕልላፉ ይዝከር።

ሚኒስቴር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ኣብ ከይዲ ጉዕዞእቶም ተምሃሮ ኣድሂቡ ምስ ፕሬዚዳንታት ኩልን መንግስታዊ ዩኒቨርሲቲታት ሎሚ መዓልቲ ኮንፈረንስ ቪዲዮ ኣሳሊጡ።

እቶም ተሳተፍቲ ኣፈፃፅማ ትልሚ ጉዕዞኦምን ክሳብ ሕዚ ዝበፅሑዎን ዝምለከት ፀብፃብ ኣቕሪቦም ኣንፈት ተቐሚጡ ኢዩ።

ብመሰረት እዚ ድማ ሚኒስቴር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ምስ በዓል መዚ ትራንስፖርት ፌዴራል ብምትሕብባር ከይዲ ምጉዕዓዝ እቶም ተምሃሮ ንኸተሓባብር ተወሲኑ ኣሎ።

ዩኒቨርሲታት ተምሃሮኦም ናብ ዋናዋና ከተማታት ንኸፋንዉ፣ ዓቕሚ ንዘይብሎም ተምሃሮ ድማ ናይ ትራንስፖርት ወፃኢኦም ንኽሽፍኑ፣ ኣብ ቀፃሊ ከም ሃገር ክግበር ንዝኽእል ሃገራዊ ፃውዒት ድሉዋት ኮይኖም ንኽፅበዩ ብፍላይ ተምሃሮ ሕክምና ዘለዉወን ዩኒቨርሲታት ድሉዋት ኮይነን ንኽፅበያ ከምኡ እውን እተን ትካላት ኣብ ዘዘለወኦ ክልል ንዝግበረለን ዝኾነ ይኹን ፃውዒት በፃሕቲ ንኽኾና ምድላወን ኣጠናኺረን ንኽቕፅላ ኣንፈት ከምዝተቐመጠ ተገሊፁ።

ብተወሳኺ ልዕሊ ዓቕሚ ብዝኾነ ምኽንያት ካብ ዩኒቨርሲቲ ወፂኦም ክኸዱ ዘይኽእሉ ተምሃሮ፥ እተን ዩኒቨርሲቲታት ከከም ናይ ባእለን ጭቡጥ ኩነታት ሰራሕተኛታት ምግቢ ኣእቲየን ንኸተኣናግዳን ኣብ ከይዲ ጉዕዞ ፅሬት ተሸከርከርቲ ካብ ምሕላ ጀሚሩ ልዑል ፅንቃቐ ንኽህሉን ምስ ዩኒቨርሲቲታት ተዋዲደን ንኽሰርሓ ኣንፈት ከምዝተቐመጠ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.