Fana: At a Speed of Life!

ዩንቨርስቲ መቐለ ተምሃሩኡ ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያታት ነናብ ከባቢኦም የጓዓዕዝ ከምዘሎ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ዩንቨርስቲ መቐለ ተምሃሩኡ ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያታት ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ነናብ ከባቢኦም የጓዓዕዝ ከምዘሎ ገሊፁ።

ፕሬዚዳንት እቲ ዩንቨርስቲ ፕሮፌሰር ክንደያ ገብረህይወት ኣብ ትዊተር ገፅ ከምዝፀሓፍዎ፥ ብብርኪ ዓለም ኣጋጢሙ ካብ ዘሎ ለበዳ ሕማም ቫይረስኮሮና ንምክልኻል ዓሊሙ ብመሰረት ሚኒስቴር ትምህርቲ ፌዴሪኢ ዝሃቦ መምርሒ ኣብ ዩንቨርስቲ መቐለ ዝመሃሩ ተምሃሮ ነናብ ቤተሰቦም ክኸዱ ተፈቒዱዎም ኣሎ።

ስለዝኾነ ዩንቨርስቲ መቐለ ኣብቲ ዩንቨርስቲ ዝመሃሩ ተጋሩ ሎሚ መዓልቲ ነናብ ከባቢኦም ዘለዋ ከተማታት ብኣብቶብሳት ዩንቨርስቲ መቐለ ተጓዒዞም ኣለዉ።

“ንኹሎም ተምሃሮና ማዕረ ኢና ንርኢ” ዝበሉ  ፕሮፌሰር ክንደያ፥ ካብ ማእኸል ሃገር (ኣዲስ ኣበባ)ን ካልኦት ከተማታትን ብምምፃእ ኣብቲ ዩንቨርስቲ ዝመሃሩ ተምሃሮ ካብ ፅባሕ ጀሚሩ እቲ ዩንቨርስቲ ብናይ ባዕሉ ኣብቶብሳት ከምዘጎዓዕዞም ኣብሪሆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.