Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ናብ ጂማ ኣቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ጂማ ኣቲዮም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ጅማ ኣባ ጅፋር እንትበፅሑ ኣባ ገዳታት፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓዲን ተወከልቲ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብን ኣቀባብላ ገይረምሎም።

ኣብቲ ስነስርዓት ኣቀባብላ ድማ ንቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይን ካልኦት ጋያሹን ዝተፈላለዩ ህያባት ከምዝተበርከተሎም ካብ ቤት ፅሕፈት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ዞባ ጅማ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ሰብ ሃፍቲ ወፃኢ ብምዃን ኣብ ደቡብ ክልል ዞባ ዳውሮ እውን ዑደት ኣካይዶም ኢዮም።

ኣብ ዑደቶም ድማ ብረርሃ ግብሪ መኣዲ ንሃገር ዝለምዕ ካብ ኮይሻ ክሳብ ኬላ ሃላላ፤ ከምኡ እውን ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ሃፍቲታት ተፈጥሮ ተዘዋዊሮም ተዓዚቦም ኢዮም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.