Fana: At a Speed of Life!

ዳያስፖራታት ተወለድቲ ትግራይ ንህዝቢ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ክድግፉ ይግባእ-ዶክተር ሙሉ ነጋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)”ዳያስፖራታት ተወለድቲ ትግራይ ንህዝቢ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ክድግፉ ይግባእ” ክብሉ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ  ዶክተር ሙሉ ነጋ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ኣብቲ ክልል ዝተገበረ ተልእኾ ምኽባር ሕጊ ስዒቡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝበፅሐ ፀገም ንምፍታሕ እግሪ ናይ ምትካል ስራሕቲ ይስራሕ ከምዘሎ ተዛሪቦም።

መንግስቲ ፌዴራልን ክልላትን ኣብቲ ክልል ኣብ ዝግበር ሰብኣዊ ደገፍ ይሳተፉ ከምዘለዉ ሓቢሮም።

ብኣንፃሩ እቶም ዳያስፖራታት እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ንዝሰርሖ ዘሎ ስራሕቲ ዘተዓናቕፍን ንህዝቢ ናብ ዝኸፍአ ፀገም ዘእቱን ምንቅሰቀቓስ ይገብሩ ከምዘለዉ ብምግላፅ፥ ናብ ሕሊንኦም ክምለሱ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ህዝቢ ትግራይን ጁነወታ ህወሓትን ፈላሊኻ ምርኣይ ከምዝግባእ እውን ኣገንዚቦም።

ህዝቢ ትግራይ ኣብዚ ሐዚ እዋን ዝረድኦ እንበር እቶም ዳያስፖራታት ዘዝኸድዎ ኣካይዳ ከምዘይጠቕሞ ኣገንዚቦም።

“ሰብኣውነት ጉዳይ ፖለቲካ ኣይኮነን“ ዝበሉ ዶ/ር ሙሉ፥ ዝኾነ ኢትዮጵያዊ ዲያስፖራ ትግራይ መሊስካ ንምህናፅ ኢዱ ክዝርግሕ  ፃውዒት ገይሮም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ
ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.